ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓብዱላሂ ሚረ -- ካብ ስደተኛ ናብ ተዓዋቲ ዝዓበየ ሽልማት ስደተኛታት


ዓብዱላሂ ሚረ -- ካብ ስደተኛ ናብ ተዓዋቲ ዝዓበየ ሽልማት ስደተኛታት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:42 0:00

ዓብዱላሂ ሚረ -- ካብ ስደተኛ ናብ ተዓዋቲ ዝዓበየ ሽልማት ስደተኛታት

ናይ ቅድም ሶማላዊ ስደተኛ፡ ናይ ሎሚ ዓመት፡ ብኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝወሃብ ዝኸበረ ሽልማት ናንሰን ተዓዋቲ ኰይኑ ኣሎ። ወዲ 36 ዓብዱላሂ ሚረ፡ ናብቲ ብንእሽቶኡ ተዓቚቡሉ ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ፡ኬንያ ልዕሊ 100-ሽሕ መጻሕፍቲ ብምእካቡ'ዩ ናብዚ ሽልማት በቒዑ።

ዓብዱላሂ ሚረ ምስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት“መጽሓፍ ህይወት ሰብ ክልውጥ ዝኽእል’ዩ። ስለዚ ከኣ’የ ነፍስ-ወከፍ ካብ ገዛኡ ተመዛቢሉ ዘሎ ቆልዓ መጽሓፍ ንምርካብ ዕድል ክህሉዎ ዝሰርሕ ዘለኹ፡” ይብል።

ንሽልማን ናንሰን ኣብ ዝረቝሖ ትካል ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ፍሊፖ ግራንዲ፡ “ኣዝዮም ኣተባብዕቲ ሓሳባት ካብ መንጎ’ቶም ተመዛብልቲ ክመጽኡ ከም ዝኽእሉ መርኣያ ኣብነት’ዩ፡” ክብል ገሊጹ።

ዕዉታት ፍሉይ ሽልማት መዳልያን ናብ ካልእ ሰብኣዊ መዓላ ንምውፋር ዝተባባዕ ናይ 100-ሽሕ ዶላር ገንዘባዊ ሽልማትን ይቕበሉ።

ሚረ ኣብ ሶማል ዝተወልደ ኰይኑ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ናብ ኬንያ ተሰዲዱ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ን23 ዓመታት ተቐሚጡ’ዩ። ኣብ እዋኑ ኣብቲ መዓስከር ኣስታት 90-ሽሕ ስደተኛታት ነይሮም። ከም ጸብጻብ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ መዓስከር ኣስታት 370-ሽሕ ተዓቘብቲ ኣለዉዎ።

ሚረ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት’ዩ ተማሂሩ። ድሒሩ ናብ ኖርወይ ምስ ገዓዘ ድማ ብስነ-ጋዜጠኝነትን ህዝባዊ ርክባትን ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ።

ሚረ “ናተይ ዛንታ ፍሉይ ዝበለ ዕድል’ዩ። ተመሊሰ ድማ ንሕብረተሰብ ክህብን ኣብኡ ከውፍርን ድርኺት ይዀነኒ፡” ይብል።

ዓብዱላሂ ሚረ፡ ናብ ኖርወይ ድሕሪ ምግዓዙ፡ ከም ጋዜጠኛ ኰይኑ ምስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንገለ እዋን ሰሪሑ ነይሩ። እንተዀነ ናብቲ መዓስከር ዳዳብ ንኽምለስ ወሲኑ።

ሚረ ምስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ብስልኪ ካብ ናይሮቢ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት “ኤውሮጳ ናጻ፡ ውሑስን ብዙሕ ዕድላትን ዘለዎ እኳ እንተዀነ፡ ካብ ኣብ ኦስሎ ንላዕሊ ኣብ ኬንያ ተመሊሰ ዝዓበየ ኣበርክቶ ክግበር ከም ዝኽእል ተረዲአ። እቲ ቀንዲ ከኣ ኣብ ህይወትካ እንታይ ክትገብር ትደሊ’ዩ፡” ይብል።

ዓብዱላሂ ሚረ ናብ ኬንያ ተመሊሱ ከም ጋዜጠኛ ኰይኑ ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን’ዩ ነቲ መጽሓፍቲ ናይ ምእካብ ድርኺት ዝዀኖ ኣጋጣሚ ረኺቡ። ኣብቲ መዓስከር እትምሃር ስደተኛ፡ ዶክተር ንምዃን ሕልሚ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ናይ ባዮሎጂ መጽሓፍ ክረኽበላ ሓቲታቶ። ሆዳን ባሺር ኣብ እዋኑ ከም ዝሓበረቶ ሓንቲ መጽሓፍ፡ ን15 ተመሃሮ’ያ እትመቓራሕ ነይራ። ብኧ ተደሪኹ መጽሓፍቲ ከዋጽእ ጀሚሩ። ሆዳን ባሺር ሕጂ ነርስ ኰይና፡ ዶክተር ናይ ምዃን ሕልሚ ኣለዋ።

በታ ኣጋጣሚ ዝተተንከፈ ሚረ፡ ኣብቲ መዓስከር ማእከል ትምህርቲ መንእሰያት ኣቚሙ። ሕጂ ሰለስተ ዓበይቲ ቤት ንባብ ዝሓዘ ኣስታት 100-ሽሕ መጽሓፍቲ ድማ ከኣኻኽብ ክኢሉ።

ዓብዱላሂ ሚረ ዝኸፈቶ ማእከል ትምህርቲ መንእሰያት ንሓያሎ ኣተባቢዑ፡ ንኽመሃሩን ክመራመሩን ድፍኢት ኰይኑዎም ኣሎ። ነቶም ሓያሎ ሽግር ሰጊሮም ኣብቲ መዓስከር ንዝመጽኡ ድማ ብሳላ እቲ መጽሓፍቲ ዝሓሸ ኵርናዕ ክርእዩን ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ክናበቡ ከም ዝእኽሉን ይሕብር።

ሽልማት ናንሰን ዓመታዊ ኣብ ህይወት ስደተኛታት ዓቢ ኣበርክቶ ንዝግበር ዝወሃብ’ዩ። እቲ ሽልማት ድማ ንኽብሪ እቲ ቀዳማይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዝነበረ ኖርወጃዊ ፍሪድቶፍ ናንሰን ዝተጸውዐ’ዩ።

ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲት እዚ ሽልማት ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ ማርከል’ያ ነይራ። ማርከል ንስደተኛታት ኣብ ሃገራ ንዝግበሮ ምዕቋብን ሓልዮትን’ያ ነዚ ሽልማት በቒዓ።

ዓብዱላሂ ሚረ ድማ ሽልማቱ ን13 ታሕሳስ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝግበር ስነ-ስርዓት ክቕበል’ዩ፡፡

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG