ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞቓድሾ ብሓገዝ ሱማሊያዊያን ዳያስፖራ ትልወጥ ከምዘላ ተገሊፁ


The Somali artist Affey with his painting 'Empty Suit' representing diaspora politicians, Mogadishu, Somalia. (Gabe Joselow/VOA)
The Somali artist Affey with his painting 'Empty Suit' representing diaspora politicians, Mogadishu, Somalia. (Gabe Joselow/VOA)
ናይ ሱማሊያ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ዕድላት ውራይ ንግድን ፖለቲካን ንምርካብ ናብ ሃገሮም ብዝተመለሱ ዳያስፖራ ካብ ናይ ዓመታት ሕድ ሕድ ኵናት ትወፅእ እያ ዘላ።
ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ዳግም ኣብ ዝተሃነፀ ሆቴል መካ ኣብ ውሽጢ ኣብ ዝርከብ ናይ ቡን መሸጢ ላውንጅ ጨና ቡን ዓዊድዎ ይርከብ።እቲ ሆቴል ናብታ ከተማ ዝተመለሱ ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ነበር ቀንዲ መራኸቢ እዩ።

ሊባን ማህቲ ይብሃል።ንሱን ስድርኡን ነቲ ኣብ እዋን ኵናት ዝዓነወ ሆቴልን ካፌን ወኒኖም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።ንሱ ነዚ ሆቴል ዳግም ክሰርሕ ብምትላም ንዓመታት ካብዝነበረላ ካናዳ እዩ ተመሊሱ።ከምዚ ብምባል ‘’ደቂ ኣሕዋተይን ኣነን ከምኡ እውን ኣኮይን ብሓባር ኮይንና ተመሊስና እቲ ሆቴል ስርሑ ዳግም ንኽጅምርን ካብኡ እንታይ ክንረክብ ንኽእልን ብዝብል ወሲና ኢና ተመሊስና።’’

ማህቲ ነታ ከተማ ይልውጡዋ ካብዘለውን ቁፅሮም እናወሰኸ ይኸይድ ካብዘሎን ሱምሊያዊያን ዳያስፖራ ነጋዶ ሓደ እዩ።

ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝርአ ዘሎ ናይ ንግዲ ምዕምባብ ከም ምልክት ናብ ንቡር ምምልሳ ይርአ።

ኣብ እዋን እቲ ግጭ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ገለ ሱማሊያዊያን ግን ኣብ ኣውሮፓ፣ኣብ ዩናይትድ ስቴትስን ካናዳን ተማሂሮም ዝተመለሱ ሱማሊያዊያን ንኹሎም ዝሓሹ ስራሕቲ ይወስድዎ ኣለው ክብሉ የማርሩ።

ሱማሊያዊ ስነ-ጥበባሪ ኣዳና ፋራህ ኣፈይ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ማኸል መፅናዕትን ዘተን ኣብ ዝተዳለወ ናይ ኣርት ምርኢት ኣብ ፊት ንፊት ናይ ስእሊ ስራሕቱ ጠጠው ኢሉ ይርአ።"Empty Suit" ባዶ ኽዳን ኢሉ ፀዊዕዎ’ሎ።ነጋዶ ዝኽደንዎ ግን ሰብ ዘይተኸደኖ ባዶ ሱፍ እዩ።ካብ ዳያስፖራ ንዝመፁ ፖለቲከኛታት ዝውክል ስእሊ እዩ ከም ኣገላልፃ ኣፍተይ።
ኣፍተይ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ሞቓድሾ እዩ ዝነብር ዘሎ።ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ናይ ምስኣል ስራሕቱ ተሓቢኡ ይሰርሕ ከምዝነበረ ይገልፅ።

ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ካብ ሞቓድሾ ኣብ 2011 ኣ/ፈ ተፀሪጉ ካብ ዝወፅእ ሎሚ እታ ከተማ ኣንፃራዊ ሰላም ዓሲሉዋ’ሎ።ሎሚ ብግልፂ ንዓርሱ ናይ ምግላፅ ዕድል ረኺቡን ሱምሊያዊያን ዳያስፖራ ድማ ዕድላት ደልዮም ናብ ሞቓድሾ ይምለሱ ምህላዎም ትዕዝብቱ ይገልፅ።
ገለ ኣሉታዊ ፅልዋታት ገዲፍካ ናይ ሱምሊያዊያን ምምላስ ገል ፅቡቕ ነገር ኣለዎ ይብል። ሒዞምዎ ካብ ዝመፁ ገንዘብ ብዝበለፀ ኢሉ ንሱ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም ምህዞታት ሒዞም ስልዝመፁ ብዙሕ ነገራት ክልውጡ እዮም ይብል።ብዙሓት ናይ ንግዲ ትካላት ተፈጢሮም እውን እዮም ይብል ብምስዓብ።

እታ ከተማ እውን ተለዊጣ እያ።

ብእስላማዊ ቤት ፍርዲ ንዓመታት ክመሓደሩ ምፅንሖምን ቀፂሉ ድማ እስላማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ንሞቓድሾ ምስሓዛን እታ ከተማ ብኣዚዩ ጥቡቕ ስርዓት ትመሓደር ጀሚራ።
ካብ ምዕራብ ዝመፁ ሱምሊያዊያን ናይ ባህሊ ግጭት የጋጥሞም።እዚ ምንጪ ወጥሪ ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ።

ከዲጃ ዓሊ ካብ ናይ 27 ዓመታት ናይ ካናዳ ናብራ ኣብ ቀረባ ናብ ሞቓድሾ ዝተመለሰት እያ።ካብታ ቅድሚ ሎሚ እትፈልጣ ከተማ ኣዝያ ዝተፈለየት ከተማ ኮይና ከምዝረኸበታ ትገልፅ።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጨጉረንን ምሉእ ገፀንን ተሸፊነን ይርኣያ።ኣብ 1970ታትን 1980ታትን ኣዝዩ ልሕልሕ ዝበል ዘበን ሎሚ ተለዊጡ’ሎ።
ሎሚ ሰባት ብዝበለፀ ሃይማኖታዊያንንን ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ብዝበለፀ ኣጥበቕቲ ኮይኖምን ኣለው ትብል ከዲጃ።

ናይ ባህሊ ግጭት ብዘየገድስ ኣብ ቶሮንቶ ዶክተር ኮይና ዝሰርሐት ከዲጃ ዓሊ ንኣገልግሎት ጥዕና ሞቓድሾ ክተመሓይሽ ተስፋ ኣለዋ።
እታ ሃገር ሎሚ እውን ንዓመታት ዝተኻየደ ግጭት ካብ ዘስዐበላ ጉድኣት ኣብ ምውፃእ ገና እንተኾነት እውን ከዲጃ ከምቶም ናብታ ከተማ ዝተመለሱ ብዙሓት ሰባት ንሳ እውን ነታ ከተማ ዳግም ንምህናፅ ዓብዪ ትልሚ ኣለዋ።

ብዕጡቓር ኣል-ሸባብ ሓል ሓሊፉ መጥቓዕትታት ዋላ እንተተፈፀሙ እውን ሓድነት እቲ ሓድሽ መንግስትን ምዕምባብ ውራያት ንግድን ቀፂሉ’ሎ።እዚ ሞቓድሾ ካብ ናይ 20 ዓመታት ራዕዲ እናወፀት እያ ዝብል ተስፋ ኣዛይዱ’ሎ።
XS
SM
MD
LG