ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበረሰብ ሱማሊያ ነበርቲ ሚኒሶታ ስግኣቶም ይገልፁ ኣለው


ኣብ ቅድስ ክላውድ ሚኒሶታ ዝርከቡ መራሕቲ ማሕበረሰብ ሱማሊያ ሓደ ሱማሊያዊ ኣሜሪካዊ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ሓደ ማእኸል ዕድጋ ንትሽዓተ ሰባት ብካራ ወጊኡ ምስ ኣቑሰለ ስንባድኦም ይገልፁ ኣለው።

መራሒ እቲ ማሕበረሰብ ዝኾኑ ጃማ ዓሊማድ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ማሕበረሰብ ናይቲ ኣጋጣሚ ፅልውኡ ኣሰጊኡዎም ኣሎ።ዝኾነ ዓይነት ምፍዳይ ሒነ ከይፍፀሞም ፍርሒ ኣትውዩዎም ኣሎ ኢሎም።

ወዲ 22 ዓመት ዳሂር ኣዳን ዝተብሃለ ሱማሊያዊ ኣሜሪካዊ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ብፖሊስ ቅድሚ ምቕታሉ ኣብቲ ናይ ዕዳጋ መደብር ንትሽዓተ ሰባት ብካራ ወጊኡ ከምዝቑሰሎም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG