ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ግጭት ሓይልታት ጸጥታ ክልል ሶማልን ኦሮምያን 6 ሰባት ምሟቶም ኢሰመኮ ኣፍሊጡ


 ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኦሮምያን ሶማልን ቕድሚ ክልተ ሰሙን ብዘጋጠመ ግጭት ሽዱሽተ ተመዛበልቲ ከምዝሞቱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ትማሊ ሰኑይ 2 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ክልል ሶማል ቆልጂ መዓስከር ስደተኛታት ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሽዱሽተ በቲ ግጭት ምሟቶምን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ካልኦት ነበርቲ'ቲ ከባቢ እውን ዝሞቱን ዝቆሰሉን ከምዘለው ሓቢሩ'ሎ።

ኣብዚ ካብ ዋና ከተማ ክልል ሶማል ጂጂጋ 65 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ቆልጂ ኣስታት 857,000 ተመዛበልቲ ከምዝርከቡ ተገሊጹ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG