ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ፍቕሪ ስዒሩ' ብካሕሳይ በርሀን ሰሎሞን ባይረን (2ይ ክፋል)


ሰሎሞን ባይረን ካሕሳይ በርሀን ኣብ መደረኽ ኣሸንዳ መቐለ
ሰሎሞን ባይረን ካሕሳይ በርሀን ኣብ መደረኽ ኣሸንዳ መቐለ

'ፍቕሪ ስዒሩ!' ናይ'ዚ ዘበና ምርጽቲ ደርፊ ሒዞም ኣብ ኣደባባይ ዝወጹ ኪነ ጥበባዊያን ኤርትራዊ ካሕሳይ በርሀን ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባይረን ነታ ደርፊ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣማሓይሾምን ከሺኖምን ናብ ህዝቢ ከምዘቕረቡ ይዛረቡ። ኣገራሚ'ዩ! ማዕዳ'ውን ኣለዎም።

ንግጥምታት'ታ ደርፊ ዘዳለወ ገጣሚ ምስግና ኣረጋይ'ውን ጋሻና ኮይኑ'ሎ።

ገለ ካብ ግጥምታት 'ፍቕሪ ስዒሩ' ክንወከሰኩም፣

ፍቕሪ፣ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ስዒሩ፣ ፍቕሪ፣

ጸግዒ ሓዘልና ጽልኢ።

ፍቕሪ፣ ፍቕሪ፣ ፍቕሪ ስዒሩ፣ ፍቕሪ፣

ታይ ይሳኣኖ ፈጣሪ።

ሰላምና የብዛሓዮ ንዘልኣለም፣ ኣብነት ኮይና ንዓለም።

ፍቕሪ እንተሃልዩ ዘይብጻሕ የለን።

ደጊም ጽልኢ ውጻእ፣ ፍቕሪ እቶ፣

ከም ቀደምና ኣብ ራህዋን ጸበባን ንተሓዋወስ ንፋቶ።

ሓሊፉ ኩሉ፣

ሰላም ኮይኑ።

ደቂ ክልተ አደ፣ ደቂ ሓደ ርባ፣

ላዕላይ ታሕታይ ዓዲ፣

መካፍልቲ ጸባ፣

ናይ ኣሕዋት ዘረባ።

ዘይከምዚኣ እንታይ ደልየ፣ ዘይከምዚኣየ፣

ባህገይ ሰሚሩለይ፣ ሰላም ሪኤየ።

ተወሊዑ ፋኑስ ተወሊዑየ፣

ፈጣሪ ጸሎትና ሰሚዑየ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:17:39 0:00
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:54 0:00

XS
SM
MD
LG