ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ሰሪሕኹም ብዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ 10 ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሸሞንተ ክሳብ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ፅኑዕማ ማእሰርቲ ዝበፅሕ ፈሪዱዎም።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናይ ደቡብ እዚ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ 10 ተኸሰስቲ ብይን ሂቡ ኣሎ።
እቲ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ዓቀብቲ ሕጊ ዘቕረቦ ናይ ፍርዲ ውሳነ ሓሳብ ነቲ መጋባእያ ኣቕሪቡ ንናይ ጠበቓታት ናይ ውሳነ መቕለሊ ሓሳብ ምስ ሰምዐ እዩ ነቲ ውሳነ ሂቡ።
በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ ሓልቓ ሓምሳ መብራህቱ ጥላየ በርሀ ናይ 18 ዓመት፣ሓልቓ ሽሕ ባሻ ክፍለ ካሕሳይ ናይ 17 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ወሲኑ ኣሎ።ኣብ ልዕሊ ኮሎኔል ክፍለ ፍስሃየ ናይ 14 ዓመትን ክልተ ሽሕ ብር መቕፃዕትን፣ኣብ ልዕሊ ወታደር መኮነን ክንፈ ናይ 13 ዓመት፣ሓለቓ ሓምሳ ፈረደ 11 ዓመትንሰለስተ ኣዋርሕን፣ምኽትል ሓለቓ ዓሰርተ ኣሰፋ ሓጎስ 11 ዓመት፣ ሓልቓ ዓሰርተ ክፍለ ንጉስ ገብረገርግስ ትሽዓተ ዓመት ተፈሪዱዎም ኣሎ።
ኮሎኔል ካሱ ሃፍቱ 11 ዓመት፣ኮሎኔል ሓጎስ ሸሞንተ ዓመት ሌቴናል ኮሎኔል ሃይላይ ገብሩ 10 ዓመትን ክልተ ኣዋርሕን ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም ኣሎ።
እቶም ተኸሰስቲ ዝተፈላለዩ ምስጥራዊ ሰነዳት ንፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣሕሊፎም ብምሃብ፣ምስጥራዊ ጉጅለ ብምውዳብን መሳርሕቲታት ብምብልሻውን ብካልኦት ክስታትን ከምዝተፈረዶም ኣብቲ መጋባእታ ተገሊፁ።
ዝተውሃቦም ተልእኾ ናብ ጎኒ ብግዳፍ ሕቡእ ኣጀንዳ ንምፍፃም ዘኽእሎም ኣካይዳ ብምትኳር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ‘’ወታደራት ብልፅግና’’ እናተዓወቱ እዮም ዝብል ሽብር ይነዝሑ ምንባሮም ጥፍኣተኛ ገይሩዎም ኣሎ።
መራሒ ጉጅለ ክፍሊ ፍትሒ ደቡብ እዝ ሓለቓ ሽሕ ፀሃይ ምንዳ ድሕሪ እቲ መጋባእያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃልላዕለዎት መኮነናት ሓዊሱ መስመራዊ መኮነናትን ሰብ ካሊእ ማዕረግን ነቲ ሰራዊት ንምጉዳእ ይሰርሑ ነይሮም ኢሎም።ምስ ኦነግ ሸኔ ዝነበረ ርክብ ሎሚ ዝተፈጠረ ከይኮነስ ቅድም ክብል ካብ 2010 ዓ\ም ጀሚሩ እቲ እዚ ንሸኔ ንምጥፋእ ኣብ ተልእኾ እናሃለወ ምስ ሸኔ ብምርኻብ ዝተፈላልየ ረብሓ እናተቐበሉ ነቲ ሰራዊ የውቅቕዑ ዝነበሩ ከምኡ እውም ነቲ ጁንታ ይድግፉ ዝነበሩ በቲ ፍርዲ ጥፍኣተኛ ገይርናዮም ኣለና ኢሎም።
‘’ዝበሰለ መረዳእታ ብምትእኽኻብ እቶም ጥፍኣተኛታት ኣብ ኣደባባይ ብፍርዲ ክቕፅዑ ገይርናዮም ኣለና’’ ኢሎም።
ናይ ተኸሰስቲ ተበቓ ዓለቓ ምእቲ እምሩ ጫለ ይግባይ ዘሕትት ፍርዲ እንተሃሊዩ ኣብ ከይዲ ክንሓትት ኢና ኢሎም።
ብተመሳሳሊ ገበን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ልዕሊ 150 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ምርመራ ይካየደሎም ከምዘሎን ምርመርኦም ዝተወድአ ኣብ ቀረባ ክሲ ከምዝምስረቶም ተገሊፁ ኣሎ።