ሎሚ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ 15 ክፍለ-ግዝኣታት ብኸፊል ወይ ምሉእ ግርደት ጸሓይ ይርኣየን ኣሎ። እዚ “ዝዓበየ ግርደት ኣመሪካ” ተሰይሙ ዘሎ ተርእዮ እንኮላይ ናብ ካናዳን መክሲኮን ዝዝርጋሕ’ዩ።
እዚ ወርሒ ብቕድሚ መሬት ሓሊፋ ንጸሓይ ኣብ እትኽውለሉ ዝርአ ፍሉይ ኣጋጣሚ፡ ሚልዮናት ሰባት ዝጽበዩዎ ተርእዮ ምዃኑ’ዩ።
ኣገልግሎት ሓበሬታ ሜትሮሎጂ ኣመሪካ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ብመክሲኮ ዝጅምር ግርደት፡ ንኣርባዕተ ደቓይቕን 28 ካልኢትን ዝኣክል ግዜ፡ ጸሓይ ብወርሒ ክትሽፈን’ያ። ኣብቲ እዋን ድማ ከፊላዊ ወይ ምሉእ ሓጺር ናይ ምጽልማት ተርእዮ ከጋጥም ምዃኑ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ይሕብር።
ነዚ ፍሉይ ተርእዮ ንምዕዛብ ካሜራታቶምን መከላኸሊ መነጸርን ዝወደዩ በጻሕቲን ሰኣልቲን ኣብ ፍሉይ ቦታታት ኰይኖም ነዚ ፍሉይ ተርእዮ ንምስናድ ይጽበዩ ኣለዉ።
እንተዀነ ግርደት ጸሓይ ካልእ ሓደጋታት’ውን ከስዕብ ስለ ዝኽእል ዓቢ ሃገራዊ ጥንቃቐ ዝግበረሉ’ዩ። ናብቲ ብጫፍ`ቲ ግርደት ዝመጽእ ጨረር ኣንቃዕሪርካ ምጥማት ናይ ዑረት ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ዘወርቲ መካይን`ውን ብጨረር ጸሓይ ዓቢ ሓደጋ ክወርዶም ስለ ዝኽእል ኣብ ክንዲ ናብ ላዕሊ፡ ንጽርግያ ክጥምቱ መምርሒ ድሕነት ትራፊክ መልእኽቲ የሕሊፉ ኣሎ። ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ንምዕዛብ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ሓያሎ ገየሽቲ ስለ ዝጓዓዙ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ግርደት ጸሓይ ዝርኣየለን መዓርፎ-ነፈርቲን ነዚ ፍሉይ ክስተት ተዳልየን ምህላወን ይገልጻ ኣለዋ።
ቅጥዒ