ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ 'ብፍርያት መግቢ ርእሰይ ኪኢለ'የ ኣብ ትብለሉ ብርኪ ከምዝበፅሐት' ምንስቴር ሕርሻ ገሊፁ!


ኣዝመራ ኣብ ኢትዮጵያ
ኣዝመራ ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ብቤት ምኽሪ ሚኒስቲራት ዝተወሰነ ሓድሽ ፖሊሲ ማሕበራዊ ውሕስና (ሶሻል ፕሮተክሽን) ደረጃ ብደረጃ ከምዝትግበር ተገሊፁ።

ዕላማ’ቲ ሓድሽ ፖሊሲ፣ብመግቢ ነብሶም ንዘይካኣሉ ዜጋታት’ታ ሃገር ንምሓጋዝ ዝብል’ዩ።

ባዓል ስልጣን ምንስቴር ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣቶ ብርሃኑ ወልደሚካኤል፣እቲ ፖሊሲ ብፍላይ ትሕቲ ደረጃ ድኽነት ንዝርከቡ ዜጋታት ንምሕጋዝን ካብ ሓገዝ ወፃኢ ተናጊፎም ርእሶም ንኽእለሉ ኩነታት ዝፈጥር’ዩ ኢሎም።

ንግብራዊነት’ቲ ሓድሽ ፖሊሲ ዝከታተል ምስንቲር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያትን’ዩ፣ምንስትር ሕርሻ’ውን ሓጋዚ ተራ ኣለዎ ይብሉ ኣቶ ብርሃኑ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እኹል መግቢ ኣሎ ዝበሉ እቶም ባዓል-ስልጣን እቲ ተሪፉ ዘሎ ሕቶ ብከመይ ኣገባብ ነባፃሓዮ ዝብል ኮይኑ’ሎ ኢሎም። “ብመንፅር ርእስኻ ብመግቢ ምኽኣል፣ሓፈሻዊ ፍርያት ሓደ ዓመት ምስ ጠለብ ነብሰ-ወከፍ ስድራ-ቤት ኣካፊልካ ትረኽቦ ውፅኢት፣ዝኣኽለና እኽሊ ኣብ ነፍርየሉ ብርኪ ከምዝበፃሕና ሓባራይ'ዩ።ስለዚ፣ብመግቢ ነብስና ኪኢልና ኢና ኢልና ክንዛረብ ኣብ ንኽእለሉ ብርኪ በፂሕና’ለና” ኢሎም ንሶም።

በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣስታት 87 ሚልዮን፣ዓመታዊ መጠን ፍርያት ድማ 254 ሚልዮን ኹንታል ምኻኑ ኣቶ ብርሃኑ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG