ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

Social Media ኣብ ምልዕዓል ህዝቢ ልዑል ተራ ኣለዎ ይብሉ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


Social Media
Social Media

ታራ Social Media ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሰሜን ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ኣብዘዘራርብናዮም እዋን ሶሻል ሚዲያ ብፍጥነት፡ብስፍሓትን ብቕርበትን ካብቶም ዝፀንሑ ልሙዳት መራኸቢ ብዙሃን ዝበለፁ ስለ ዝኾኑ ሰባት ብዝዓበየ ይጥቀመሎም

ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክኢላታት IT ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ገብረፃዲቕን ኣቶ ሰመረ ታእዛዝን እዮም።ብዛዕባ ታራ Social Media ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሰሜን ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ኣብዘዘራርብናዮም እዋን ሶሻል ሚዲያ ብፍጥነት፡ብስፍሓትን ብቕርበትን ካብቶም ዝፀንሑ ልሙዳት መራኸቢ ብዙሃን ዝበለፁ ስለ ዝኾኑ ሰባት ብዝዓበየ ይጥቀመሎም ከምዘሎ ይገልፁ።

ኣብ ቨርጂንያ ዝመደብሩ FDIC ዝተብሃለ ቤት ፅሕፈት ፌደራላዊ መንግስቲ ኮንሳልታንት ቴክኖሎጂ ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ገብረፃዲቕ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ክልተ ቢሊዮን ህዝቢ ናይ ኢንተኔት ተጠቃሚ ከምዝኾነ ይገልፁ።

ኣብ ቨርጂንያ ቴክ ናይ ማስተርስ ተምሃራይ ኮምፔተር ኢንጂነሪን ዝኾኑ ኣቶ ሰመረ ታእዛዝ ብወገኖም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ኢንተርኔት ናይዝጥቀም ብዝሒ ህዝቢ ዓሰርተ ሚታዊት እንተኾነ’ውን ኣብዞም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እቲ ናይ ኢንተርኔት ምጥቃም ብ2300ሚታዊ ከምዝዓበየን ተስፋ ዘለዎ ከምዝኾነን ይገልፁ።ዝርዝሩ የድምፁ።

XS
SM
MD
LG