ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞዛምቢክ ማሕበራዊ መራኸቢ ንካልኣይ መዓልቲ ተዓጽዩ'ሎ


ኣብ ከባቢ ማፑቶ ዝርከብ ዝተዓጸወ ድዃን- 31 ጥቅምቲ 2024
ኣብ ከባቢ ማፑቶ ዝርከብ ዝተዓጸወ ድዃን- 31 ጥቅምቲ 2024

ኣብ ሞዛምቢክ ማሕበራዊ መራኸቢ ሎሚ ሓሙስ`ውን ንካልኣይ መዓልቲ ተዓጽዩ'ሎ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ምስቲ ዝሓለፈ ኣሰሓሓቢ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዝተኣሳሰር ተቓወምቲ ሃገራዊ ኣድማ ኣብ ዝጽውዕሉ ዘለዉ እዋን`ዩ።

ን49 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ፍረሊሞ ኣብቲ ምርጫ ምዕዋቱ ካብ ዝግለጽ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ወጥሪ እናሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ`ሎ። ተቓወምቲን ተዓዘብትን እቲ ምርጫ ምድንጋር ከም ዝነበሮ ምግላጾም ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ይሕብር።

ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ንምድራት ኢንተርነት ዝከታተል ትካል ኣብ ሞዛምቢክ ከም ፈይስቡክ፡ ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዕጸዉ ኣለዉ ክብል የሰምዕ ኣሎ።

ኣብቲ ምርጫ 20% ድምጺ ብምርካብ ካልኣይ ከም ዝወጸ ዝተነግረሉ መራሒ ተቓወምቲ ቨናንሲዮ ሞንድለይን፡ ጋዜጠኛ ረድዮ ዝነበረ ኮይኑ ምስ ሰዓብቱ ዝያዳ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝራኸብ ይንገረሉ።

ንወኪል ገዛኢ ፓርቲ ወኪሉ ኣብቲ ምርጫ ዝተዓወተ ድማ ዳንኤል ቻፖ እዩ።

ኣብቲ ዝተጸውዐ ኣድማ ብውሕዱ 11 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ህዩማን ራይትስ ዋች ኣፍሊጡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG