ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ተዓጽዩ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ከምዝተዓጽወ ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሩ።


ብመሰረት ሓበሬታ ኣሶስየትድ ፕረስ መንግስቲ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰድ ኣብታ ሃገር ካብ ሎሚ ሰኑይ ኣትሒዙ ንዝካየድ ሃገራዊ ፈተና ብዘይ ዕንቅፋት ክቃናዕ ካብ ዝብል ምዃኑዩ ገሊጹ።
ሃገራዊ ፈተና ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ክሳብ ረቡዕ ክካየድ እዩ።


እቶም ዝተዓጽው ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ንፈይስ ቡክ ሓውስካ ዝተፈላልዩ መተሓላለፊ ሓበሬታ ኣፕስ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

የኢትዮጵያ ካርታ
የኢትዮጵያ ካርታ

ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ግን ተሰሪዙ ናብ ካልእ ግዜ ዝተመሓላለፈ ሃገራዊ ፈተና ብማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ኣቐዲሙ ድሕሪ ምብታኑ ክስረዝ ምቕሳቡ ይዝከር። መራኸቢ ብዙሓን ተቓወምቲ ወገናት ነቲ ክስተት ሓላፍነት ወሲደናሉ እየን። ካልኦት ድማ እቲ ክስተት ነቲ መንግስቲ ዘሕንኽ ምዃኑ ገሊጸን ኔረን።


ዳንኤል ብርሃነ ዝተባህለ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ ጸሓፊ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሕጋውነት ዝለበሰ ዘይምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ንሚልዮናት ዜጋታት ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ ነጻነት ምንፋግ ምዃኑ ኣረዲኡ። " እዛ ሃገር ቻይና ኣይኮነትን " ድማ ኢሉ።


ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ፈተና 250 ሽሕ ተመሃሮ ክፍተኑ ትጽቢት ገይሩ ከምዘሎ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG