ዊንተር ኦሎምፒክ ሶሺ ሎማዕንቲ ዓርቢ ብወግዒ ጀሚሩ።እቲ ወድድር ግን ትማሊ ሓሙስ እይ ዝጀመረ።ካብ ዝተኣታተው ሓደሽቲ ውድድራት እቶም ክልተ ዓይነታት ውድድራት ስፖርት ተኻይዶም ኣለው።
ጂምናስቲክ ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ኣብ ውድድር ዊንተር ኦሎምፒክ ሜዳሊያታት ዘርክብ ዓይነት ስፖርት እዩ።ሎሚ ድማ ንፈለማ ግዜ Figure Skating ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ናይ በረድ ምንሽሕታት ውድድር እውን መዳሊያ ዘርክብ ስፖርት ኮይኑ’ሎ።
ኣብዚ ዓይነት ስፖርት 10 ሃገራት ጥራሕ እየ ዝሳተፋ።ሕድ ሕድ ጋንታ ሓደ ወዲ ተባዕታይ፣ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፣ሓደ ፅምዲ ከምኡ’ውን ሰብኣይን ሰበይትን ዝሓቖፈ ሓደ ናይ በረድ ዳንስ ዝሓቖፈ እዩ።
ትማሊ ሓሙስ ፀሊም ባሕሪ ኣብ ዝርክበ ናይ ሶሺ ኦሎምፒክ ፓርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፊገር ስኬትን ናይ ውልቂ ውድድር ኣብ 2006 ኣ/ፈ ናይ ቱሪን ኦሎምፒክ ወርቂ፣ኣብ ሶልቲ ሌክ ሲቲ ኣብ 2002 ኣ/ፈ ኣብ ቫንኮቨር ድማ ኣብ 2010 ኣ/ፈ ኣብ ክልቲኡ ብሩር ዝረኸበ ሩሲያዊ የቩገኒ ፕላይ-ሺሺንኮ ድሕሪ እቲ ውድድር ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ ሪኢቶ ብዘርኣዮ ምንቅስቓስ ሕጉስ እየ ኢሉ።
ኣብ መዋእሉ ንራብዓይ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ከምዝተሳተፈን 12 መጥባሕትታት ከምዝተገበረሉን ወሲኹ ሓቢሩ።
ዝረኸቦ ውፅኢት ኣብ ካልኣይ ደርጃ ክስራዕ ገይርዎ’ሎ።ጃፓናዊ ዩዙሩ ሃንዩ ቀዳማይ እንትኸውን ካናዳዊ ፓትሪክ ቻን ሳልሳይ ኮይሙ’ሎ።።ንዩናይትድ ስቴትስ ወኪሉ ዝተሳተፈ ጀረሚ ኣቦት ኣብቲ ምንሽሕታት ብምውዳቑ ሻብዓይ ደረጃ ሒዙ’ሎ።
ናብቲ መኽፈቲ ስነስርዓት እንትንምለስ ናይ ሶሺ ውድድር ብወግዒ ኣብዝተጀመረሉ ኣብ ፊሽት ናይ ኦሎምፒክ ስታድዮም ኣሽሓት ሰባት ተኻፊሎም።
ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲንን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኩሙንን ሓዊሱ ርእሰ ብሄራትን መራሕትን ዓለም ኣብቲ ስነስርዓት ተረኺቦም ኣለው።
ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ገለ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓን ኣብቲ ስነስርዓት ኣይተኻፈሉን።ሩሲያ ኣንፃር ግብረሰዶማዊያን ብዘውፅአቶ ሕጊ ኣደዳ ነቐፌታ ኮይና እያ።
ክፍፀም ዝኽእል መጥቓዕቲ ሽበራ ንምክልኻል ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብቲ መንደር ኦሎምፒክ ፅኑዕ ሓለዋ ፀጥታ ተጠናኺሩ’ሎ።
ፕሬዝዳንት ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ቶማስ ባች ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብዝሃብዎ ሪኢቶዎ ግን ውድድር ሶሺ ዝተፈለየ ስግኣት ፀጥታ ከምዘለዎ ምቕማጥ ሚዛናዊ ኣይኮነን ኢሎም።
ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ስድኒ፣ኣቴንስንከተማ Salt Lakeን ሓዊሱ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ካልኦት ናይ ኦሎምፒክ ውድድራት እውን ስግኣታት ከምዝነበረ ገሊፆም ባች።
ሰበስልጣን ሩሲያ ንሓለዋ ፀጥታ ውድድር ሶሺ ኦሎምፒክ ናብ ክልተ ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ከምዘፍሰሱ ተፈሊጡ’ሎ።ተንተንቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ባቡር ጣቢያታት ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዒላማታት መጥቓዕትታት ሽበራ ክፍፀም ይኽእል እዩ ክብሉ የጠንቅቑ።
ብኻሊእ ዜና ኣብ መንጎ ዩናይትድ ስቴትስን ሩሲያን ብዘሎ ምስሕሓብ ንግዲ ኣሜሪካዊያን ኣቲሌታት ዝፈትዉዎ ርግኦ ክረኽቡ ኣይክኣሉን።ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደብሩ ኮሃኒ ዝተብሃለ ናይ ግሪክ ርግኦ ፍልዩ ስፖንሰር ጋንታ ዩናይትድ ስቴትስ እዩ።
ሩሲያ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ሕርሻ ኣድላዩ ናይ ጉምሩክ ወረቐት ምስክር ብዘይምቕራቡ ክኣቲ ኣይኽእልን ኢላ’ላ።