ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነኣሽቱ ከተማታት ኣብ ዲጂታላዊ ዘመን ንሓዱሽ ኣገባብ ኣነባብራ ስሓብቲ ይኾና ኣለዋ


ኣብዚ ኣብ ዲጂታዊ ግዜ ንስራሕትን መንበሪን ኣጣሚሩ ዝሓዘ መንበሪ ንሓዱሽ ሜላ ኣነባብራ ምችው ይኸውን ኣሎ።ብምኽኒያት ዕብየት ከተማታት ኣብ ሓደ እዋን ተረሲዖም ዝነበሩ ኣብ ኣናእሽቱ ከተማታት ዝነበሩ ማሕበረሰባት ንሓደሽቲ ነበርቲ ክስሕቡ ተስፋ ኣለዎም፤ምኽኒያቱ ብርሑቕ ምስራሕ እናዓበየ ይኽየድ ብምህላው።ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ካብ ቤት ፅሕፈት ሪሒቕካ ንምንባር ስለዘኽእል እውን እዩ።

‘’ሎሚ ተዓፃፃፋይነት ስለዘለዎም ሰባት ብኣንፃር ምኽባር ናብራ እዮም ዝሓስቡዎ ዘለው፤ሰባት ከመይ ዓይነት ሜላ ኣነባብራ እየ ክነብር ንዝብል እዮም ቀዳምነት ይህቡ ዘለው።እዚ መብዛሕቲኡ ግዜ ካብ ገዛ ወይ ቤት ፅሕፈት ወፃኢ ምስዝ ህልው ነገራት ምትእስሳር ወይ ዝተፈላለዩ ድልየታት ምፍፃም ክኸውን ይኽእል እዩ’’ይብል Common ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ኩባኒያ ምምሕዳር መንበሪ ኣፓርትመንት ላዕለዋይ ዳይረክተር ማት ሚክሲን።

‘’ምናልባሽ ኣብ ፍልይ ዝበለ ከባቢ ክነብር እደሊ እኸውን፤ምግፋፍ ዓሳ፣ብጀልባ ምጉዓዝ፣ናይ እግሪ ጉዕዞ ምፍፃም፣ ዝኣመሰሉ ሀ፣ለ፣መ ዝተብሃሉ ካብኦም ተፈሊየ ክነብር ዘይደልዮም ምንቅስቓሳት ኣብ ዝሰርሐሉ ቦታ ክነብር እደሊ እኸውን’’ይብል ሚክሲን።

ኩባኒያ Common ናይ ርሕቐት ዲጂታዊ መራኸቢ ኣብ ምልላይን ምምዕባልን ኣብ ምስራሕ ይርከብ።ስራሕን ምዝንጋዕን ኣጣሚሮም ንዝኸዱ ማሕበረሰባት ናይ ኩሎም ብርሕቐት ዝሰርሑ ናይ ቴሌዎርክ ሰራሕተኛታት ድልየት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተነደፉ እዮም።

‘’መንድቓት ከፋፊልካ ቤት ፅሕፈት ዲኻ ክትፈጥር?ወይስ ኩላትና እንሰርሖም ዝነበርናን ዘለናን ነገራት ላፕቶፕ ሒዝካ ምሉእ ማዕልቲ ብZoom ብምርኻብ ብቐሊሉ ዝሰርሕ ዝተፈለየ ኣቀማምጣ ክህሊ ኢኻ ተሳልጥ?’’ዝብሉ ነገራት እዮም ይብል ሚክሲን።’’ነዚ ንምፍፃም ዘኽእል ዝሓሸ መንገዲ ኣሎ ድዩ? ሰባት ኣብ ዘይምችው ቦታ ኮይኖም ኣብ ናይ ዙም ኣኼባ ክሳተፉ ሪኢና ኢና ‘’በለ ብምውሳኽ።

እቲ ሓሳብ ብርሑቕ ዝሰርሑ ሰባት ንካልኣይ መደቀሲ ክፍሊ ከይከፈሉ ናይ ቴለዎርክ ስራሕቲ ንምስራሕ ክኽእሉ ዝገብር ኩነታት ምፍጣር እዩ።

‘’እዚ ናይ ብሓቂ ፅቡቕ መፍትሒ ኣይኮነን’’ይብል ሚክሲን።’’ብዙሕ ወፃኢ ዝሓትት እዩ።ኣድማዒ ዘይኮነ ኣቀማምጣ እዩ ክህልወካ፤ምናልባሽ እውን ብዙሕ ከፊልካ ኩሉ ዝደለኻዮ ዘይትረኽበሉ ክኸውን ይኽእል።ብዝግባእ ዲዛይን ተሓሲብሉ ዝተሰርሕ ሓደ መደቀሲ ክፍሊ ዘለዎ ኣፓርታማ እንተድኣ ሃሊዩካ፣ካብ ገዛ ንምስራሕ ተገይሩ ዝተሰርሐ እንተድኣ ኮይኑ፣ከምኡ ክተገብሮ ትኽእል ኢኻ፤ኣብኡ እናሃለወ ድማ ምችው ናይ መንበሪ ገዛ ይኸውን’’ይብል።

ኩባኒያ Common ብዲጂታል ጥራይ ንዝሰርሑ ዲጂታል ኖማድስ ኢሎም ንዝፅውዕዎም ናይ መንበሪን ናይ ስራሕ ቦታታትን ዘቕርቡ ርሑቕ ምችው ዝኾነ ናይ ስራሕ ቦታ ንምፍላይን ንምድላውን ውድድር ኣዳሊዩ ኣሎ።

በቲ ውድድር ካብ ዝተመረፃ ሓሙሽተ ተወዳደርቲ ማሕበረሰባት ሮኪ ማውንት ዝተብሃለት ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ትርከብን ኣስታት 54,000 ህዝቢ ዝነብረላን ንእሽተይ ከተማ እያ።ካብ ዋና ከተማ ናይታ ክፍለ ግዝኣት ራሊ ኣስታት ሓደ ስዓት ዘዊርካ ትርከብ።

ኣብ ሮኪ ማውንት ሚሊስ ዝርከብን ንናይ ርሑቕ መስርሒ ቦታ ክኸውን ብትልሚ ዝተትሓዘን ኣብ 9,290 ትርብዒት ሜትሮ መሬ ዝተሃነፀን ኣብ 1996 ኣ\ፈ ዝተዓፀወን ናይ ጡጥ መጥሓኒ ህንፃ እዩ።ኣብ ጥቕኡ ዘሎ ቦታ ድሮ ንናይ ንግድን መንበሪታትን ከምዝኸውን ኮይኑ ማዕቢሉ ኣሎ።ኣብያተ ምግብን መሽጢታት ቢራን እውን ኣብዚ ከባቢ ተሰሪሖም ኣለው።

‘’ሽዑ ንሽዑ ኢኻ ናብ ኩሉ ትኣትውን ትተኣታተውን፣ኣብ ቀዳመ ስንበት ምስ ዝህልው ፍፃመታት፣ዋላ እውን ተመሳሳል ሓላፍነት ስራሕ ግን ድማ ኣብዝተፈላለዩ ኩባኒያታት ዝሰርሑ ሰባት ብኔትዎርክ ትራኸብ፣ምስ መስራሕትኻ ትራኸብ’’ትብል ካፒታል ብሮድካስቲንግ ናይ ዝተብሃለ ናይ ሪል ኢስቴት ኩባኒያ ማነጀር ዝኾነት ኢቫን ኮቪንግተን ቻቬዝ።

‘’ምናልባሽ ሰባት ንካልኦት ሰባት ፅሑፍ ወይ ካሊእ መግለፂ ዘቕርቡሎም ቦታታት ክህልው ይኽእሉ፤ወይ ድማ ሰባት ኣብ ብዓብይ ስክሪን ኣቢሎም ብቴሌኮንፈረንስ ኣኼባ ከካይዱ ወይ መግለፂ ክህቡ ይደልዩ ይኾኑ።እዚ ኩሉ ዘጠቓለለ ኣብቲ ሞዴል ክኣቲ ምግባር ሰባት ብቐሊሉ ክውስኑ ዘኽእሎም እዩ’’ትብል ብምውሳኽ ቻቬዝ።

ኣብተን ዝርካበን ሒደት ከባቢታት ኩባኒያ ካፒቶል ብሮድካስቲንግ ናይ ርሑቕ ናይ ስራሕ ማእኸል ክፍልታት ንምውሳኽ ህርፋን ኣለዎ።

‘’ካብ ኣፓርትመንትኻ ኮይንካ ንምስራሕ ክትመርፅ ትኽእል፣ወይ ናብ ኣዳራሽ ከይድኻ ናብ ናይ ውልቂ ናይ ኮንፈረንስ ክፍሊ ወይ ናይ መሳርሕትኻ መስርሒ ቦታ ክትመርፅ ትኽእል።ወይ ድማ ኣብ ናይ ቢራ መሸጢ ቦታ ምስ ሰባት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።ካብ መሸጢ ቡን እውን ክትሰቲ ትኽእል ኢኻ።ኩሎም እዚኦም ካብ ገዛኻ ወፃኢ ዝርከቡ እዮም’’ትብል ኮቪንግተን ቻቨዝ። ’’መኪናኻ ኣልዕል ኣቢልኻ ኣብ ጥቓኻ ናብ ዝርከብ እንዳ ቡን ክትኸይድ የብልካን።ኣብያተ ምግቢ እውን ክትደሊ የብልካን።ብዙም ወይ ብስልኪ ቴሌኮፈረንስ ንምስታፍ ፀጥ ዝበለ ቦታ ክትደሊ የብልካን።ኩሎም እዚኦም ኣብ ቀረባኻ ብእግርኻ ተጓዒዝካ ትረኽቦም እዮም’’ትብል ብምውሳኽ።

ኣብቲ ውድድር ንናይ መወዳእታ ካብ ዝተሓረያ ካልእቲ ንእሽተይ ከተማ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣርካንሳስ እትርከብ ከተማ በንቶንቪል እያ፤62,000 ህዝቢ ኣለዋ።209 ኪሎ ሜትር ንውሓት ኣብ ዝግመት ናይ ጎብ ናይ ብሽክሌታ መንገዲ ምስ ማእኸል ናይታ ከተማ ይራኸብ።ኣብ ምሕራይ ሓሙሽተ ናይ መወዳእታ ተወዳደርቲ ቁልፊ መዕቀኒ ሜላ ኣነባብራ እያ እዩ።

‘’ቤንቶንቪል ምስ ቀንዲ ማሕበረሰብ ንግዲ ፍሉይ ዝኾነ ውህደት ዘለዎ ናይ ርሕቐት ናይ ስራሕ ቦታ ክኸውን ዘኽኣሎ ዓለምለኸ ደርጅኦም ዝሓለወ ካብ ገዛ ወፃኢ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ናይ ዓለም ናይ ጎቦ ናይ ብሽክሌታ ቦታ፣ከምኡ እውን ኣብ ዓብይ ከተማ ዝርከብ ኪነ ጥበባትን ባህላዊ ንጥፈታትን ዝርከበሉ ቦታ እዩ’’ይብል ኣብ ምምዕባል ሪል ኢስቴት ዳይረክተር ኢንቨስትመንት ብሉ ክሬይን ዝኾነ ጄርድ ፌሲዝወስኪ።

እቲ መራኸቢ ብርሕቐት መስርሒ ቦታ ሓዱሽ ሓሳብን ቅድን ስለዝኾነ ተዓፃፃፋይ ናይ ስራሕ ባህርታት ኣብ ግምት ብምታው ብዘይ ጥርጥር እናተፈተዊ ምኻዱ ይቕፅልኳ እንተሃለወ ገና ዘይተፈልጡ ነገራት እውን ኣለዎ።

‘’ሰባት ኣድማዕቲ ክኾኑ ስለዝደልዩ ምቾት ክስምዖም ኣለዎ።እዚ ሓዱሽ ዝተምሃዘ ናይ ስራሕ ቦታ ዝፈጠሮ ተዓፃፃፋይነት ሰባት ከሕጉሶም እዮም ዝደልዩ’’ይብል ሚክሲን።ዝተሓላለኸ ነገር ዝፈጥር ወይ ኣድማዕነት ዘጉድል ወይ ተዋሳኺ ዋጋ ዝሓተት ክኸው ኣይደልዩዎን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG