ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦባማ ኬር : መመሓደሪ ሕጊ ጥዕና ኣሜሪካ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ


ሰነተር ሱሳን ኮኒንስ ናይ ክፍለ ግዝኣት መይን (የማን) ሰነተር ሊሳ ሙርኮውስኪ ናይ ክፍለ ግዝኣት ኣላስካ(ጸጋም)
ሰነተር ሱሳን ኮኒንስ ናይ ክፍለ ግዝኣት መይን (የማን) ሰነተር ሊሳ ሙርኮውስኪ ናይ ክፍለ ግዝኣት ኣላስካ(ጸጋም)

ብ’ስኪኒ ኬር’ ዝፍለጥን ዝስርሓሉ ዘሎ ኦባማ ኬር ዝተባህለ መመሓደሪ ሕጊ ጥዕና ኣሜሪካ ንምትካእ ዝተዳለወ ንድፈ ሕጊ ጥዕና ሎሚ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ብዓብላሊ ድምጺ ኣይፋል ወዲቑ።

እቲ ብ’ስኪኒ ኬር’ ዝፍለጥ መተካእታ ኦባማ ኬር ክኸውን ዝተዳለወ ሓጺርን ሓፈሻውን ክኸውን እንከሎ: ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ኣሜሪካ እቲ ዝድለ ድምጺ ክረክብ ስለዘይከኣለ’ዩ ወዲቑ።

ሰነተር ጆን ማክኬን ናይ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና
ሰነተር ጆን ማክኬን ናይ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና

ብመሰረት ካብ ባይቶ ኣሜሪካ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ: እቲ ብስኪኒ ኬር ዝፍለጥ ዝተዳለወ ንድፈ ሕጊ ናይ 48 ድምጺ ደገፍ ክረክብ እንከሎ 51 ድማ ተቓዊሞምዎ።

​ካብቶም ነቲ ብስኪኒ ኬር ዝፍለጥ መተካእታ ኦባማ ኬር ክኸውን ዝተዳለወ ንድፈ ሕጊ ክንክን ጥዕና ኣሜሪካ ዝተቓወምዎ ሰለስተ ኣባላት ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ክኾኑ ከለው: ናብቶም ካብ መሰረቱ ነቲ ንድፈ ሕጊ ዘይተቐበልዎ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ተጸንቢሮም ናይ ኣይፋል ድምጺ ብምሃቦም’ዩ: እቲ ሓድሽ ንድፈ ሕጊ ውዱቕ ክኸውን ዝኸኣለ።

እቶም ነቲ ሓድሽ ንድፈ ሕጊ ክንክን ጥዕና ውዱቕ ክኸውን ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰለስተ ኣባላት ሰልፊ ሪፑብሊካውያን ሰነተር ጆን ማክኬን ናይ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና፤ ሰነተር ሱሳን ኮኒንስ ናይ ክፍለ ግዝኣት መይን ከምኡውን ሰነተር ሊሳ ሙርኮውስኪ ናይ ክፍለ ግዝኣት ኣላስካ እዮም።

በዚ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ናይ ኣይፋል ድምጺ ብምሃብ ዝተዛዛመ ነዊሕ ክርክር ዝሓለፎ ንድፈ ሕጊ ፡ ኦባማ ኬር መመሓደሪ ሕጊ ጥዕና ኣሜሪካ ኮይኑ ክቕጽልዩ።

እቲ ብስኪኒ ኬር ዝፍለጥ ሓድሽ ንድፈ ሕጊ ጥዕና ተግባራዊ ክኸውን ተቐባልነት እንተዝረክብ ነይሩ: ክሳብ 16 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ኣብ ዝቕጽላ ዓመታት መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ክንፈጉ ምኽኣሉ ነይሮም ዝብል ጸብጻብውን ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG