ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጉዳይ ኤርትራ ከም ካርድ ክፃወተሉ ተዘይኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቆን ሓሞትን ኣጥርዩ ሓድሽ ፖሊሲ ክትግብር'ዩ ኢለ ኣይኣምንን ኢሎም ኣቶ ስየ ኣብራሃ


አቶ ስዬ አብርሃ
አቶ ስዬ አብርሃ

ሻዕብያ ስግኣት ኢትዮጵያ'ዩ፣ግን ቀዲሙ ዝስራዕ ውሽጣዊ ፀገምና ምፍታሕ'ዩ'ውን ይብሉ ንሶም

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ምምሕዳርም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ይስዕቦ ንዝፀንሐ ፖሊሲ ቀይሩ‘ሎ ምባሎም ምስ'ቲ ክብልዎ ዝፀንሐ መርገፂ ተጋረጫዊ ምኻኑ ምክትል ኣቦ-መንበርን ወሃቢ-ቃልን ፓርቲ ሓድነት ኣቶ ስየ ኣብራሃ ገሊፆም።

ኣቶ ስየ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ፣ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ንሰራዊት ኤርትራ ኮብኪብና ባረንቱ ኣብ ዘብፃሕናሉ እዋን፣እቲ ኲናት ሃንደበት ተኾሊፉ‘ዩ።ብድሕሪኡ ሻዕቢያ ሰላም ኣይህበናን ምባልና ገበን ኮይኑ፣ወረርቲ ተባሂልና፣እንታይ ከምዝኾነ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝፍለጥ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ‘ዚ እዋን ናይ ፖሊሲ ለውጢ ዝትግበር ዘሎ ከምዝመስለኒ፣ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ናይ ህዝቢ ምልዕዓል ተፈጢሩ መንግስታት ይልወጡ ስለዘለው፣መንግስቲ ኢትዮዽያ ንምርጫ እናደናገረን እናሰረቀን ንዝተቃወምዎ ኣሰርኩኹምን ቀተልኩኹምን ኣናበለ’ዩ ፀኒሑ።ሻዕቢያ ንኣዲስ ኣበባ ባቅዳድ ክገብራ‘የ፣ስግኣትና ሻዕቢያ‘ዩ ወዘተ ይብሉ‘ለው ኢሎም ኣቶ ስየ ኣብራሃ።

መጀመርያ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣበሳ ነዐሪ፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቁስሊ ነሕዊ ዝበሉ ኣቶ ስየ፡ ኢትዮጵያ "ብአኮኖሚን ፖሊቲካን ኣብ ኣሸጋሪ ኹነታት እያ ዘላ" ኢሎም። ንዕኡ ከየዐረኻ ካልእ ምእጓድ ድማ ሓደገኛ ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ይትግብሮ ዝፀንሐ ናይ ምክልኻል ዝበሎ ፖሊሲ ናብ ንጡፍ ፖሊሲ ኣሳጊረዮ‘ለኹ ከምዝበለ ዝዝከር‘ዩ።

XS
SM
MD
LG