ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

16 ሃገራት ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሰብኣዊ ተፈፂሞም ዝብሃሉ መግሃስታት ንምምርማር ዘካየዱዎ ፃዕሪ ንኢደን


Ethiopia map
Ethiopia map

ኣሜሪካ፣ብሪታኒያ፣ፈረንሳይ፣ጀርመን፣ካናዳ፣ኣውስትራሊያ፣ኣየርላንድን ካልኦትን ዝርከብኦ 16 ሃገራት ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ግጭት ትግራይ ዝተሳተፉ ወገናት ፈፂሞምዎ ዝብሃሉ መግሃስታትን ጥሕሰታትን ሰብኣዎ መሰላት፣ከቢድ ጥሕሰታት ዓለምለኸ ሕጊን ዓለምለኸ ሕጊ ስደተኛን ንምምርማር ዘካየዱዎ ሓባራዊ ፃዕሪ ናእድአን ገሊፀን።

እቲ ካብ ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዝወፀ መግለፂ ንቦታት ምብፃሕን ንሰባትን ሰነዳትን ምርካብን ዓበይቲ ብድሆታት እንተነበሩ እውን ክልቲኦም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘካየዱዎ ዘይሻራዊን ግልፅን ስራሕ ንንእድ ይብል።

ኣብ ተበፃሓይነት ቀፃሊ ዝኾነ ገደብ ምንባሩ ብኮሚሽነር ባቼሌት ዝተገለፀ ስኽፍታ እውን ኣስሚሮምሉ ኣለው።

ትርጉም ዘለዎን ስርዓታዊ ተሓታትነትን ክረጋግፀ ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ብምሕባር ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ነቲ ውፂት ክቕበሉዎን ዝቐረቡ ምኽረ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ከውዕሉን ብዕቱብ ነተባብዕ ይብል።

ኣብ መወዳእታ እውን ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ፣ሓድነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ንድግፍ ተፃብኦታት ጠጠው ንምባልን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕነትን ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ምንዳይን ንዝገበሩ ፃዕርታት ምስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታትን ንምስራሕ ቅሩባት ኢና ይብል እቲ 11 ነጥብታት ዝሓዘ መግለፂ።

XS
SM
MD
LG