ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማልያ ብዘጋጠመ ርእሰ-ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ነታጉ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሶማልያ ከተማ ጋልካዩ ንሓደ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ገንዘብ ዒላማ ጌሩ ዝተፈጸመ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ብዉሑዱ ሽዱሽተ ቐቲሉ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ድማ ኣቑሲሉ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ውልቀ-ሰብ ነቲ በዓል ስልጣን ሓቑፉ ድሕሪ ምስዓም ነብሱ ምፍንጃሩን እቲ በዓል ስልጣንን ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመን ካልኦት ሓሙሽተ ሽዑ ንሽዑ ምሟቶም ተፈሊጡ። ጉጅለ ግብረ-ሽበራ ኣል-ሸባብ ሓላፍነት እቶ መትቓዕቲ ምውሳዱ’ውን ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ ትማሊ ኣብ ሞቃዲሾ ኣብ ሓንቲ መኪና ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ተኩሲ ክልተ ቱርካዊያን ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG