ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽዱሽተ ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ምስ ቀጠር በቲኸን


ስዑዲ ዓረቢያ፣ግብፂ፣ባሕሬን፣ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፣የመንን ማልዲቪስን: ሃገረ ቀጠር ንግብረ ሽበራ ትድግፍ ኣላ ኢለን ብምኽሳስ ኣ ዝጸንሐን ዲፕሎማዊ ርክበን በቲኸን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቀጠር እቲ ስጉምቲ ‘’ ዘይምኽኑይ፣ ሓቅነት ኣብ ዘይብሎምን ዘይተረጋገፁን ክስታት ዝተመስረተ እዩ “ ኢሉዎ’ሎ።

እተን ሃገራት ዲፕሎማተን ካብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ቀጠር ከምዘወፅኣን ብኣየር ይኹን ብባሕሪ ምስታ ሃገር ዝህልው ርክብ ከምዝበትኻን ገሊፀን ኣለዋ።መንገዲ ኣየር ቀጠር እውን ናብ ስዑዲ ዓረቢያ ዘካይዶ በረራ ኣቋሪፁ’ሎ።

ግብፂ ናይ ቀጠር ኣምባሳደር ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ካይሮ ክወፁ ኣዚዛ’ላ።መንግስታት ወሽመጥ ፐርሺያ እውን ዜጋታት ቀጠር ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ካብተን ሃገራት ክወፁ ኣዚዘን ኣለዋ።

ንመንግስቲ የመን ብምሕጋዝ ኣብ የመን ይካየድ ንዘሎ ጥምረት ትመርሖ ዘላ ስዑዲ ዓረቢያ ብወገና ሓይልታት ቀጠር ካብቲ ጥምረት ክወፁ እዮም ኢላ’ላ።

ናይ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን እቲ ስጉምቲ ኣብቲ ዞባ ይኹን ብደረጃ ዓለም ኣብ ልዕሊ ግበረሽበራ ንዝካየድ ግጥም ተፅዕኖ ክህልዎ እዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘይብሎም ብምግላፅ ኩሎም ወገናት ፍልልያቶም ክፈትሑ ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG