ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዝበሎ ሰፋሕቲ ጥሕሰታት ይጽብጽብ፡ ኤርትራ ትነጽግ


ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር - 28 የካቲት 2024
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር - 28 የካቲት 2024

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዀነ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ትማሊ ረቡዕ 28 የካቲት 2024 ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጀኔቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮን ቤት ጽሕፈቱ ድማ ጥርዓናት በበይኑ ጥሕሰታት ብቐጻሊ ከም ዝበጽሖን ገሊጹ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ግን ንጸብጻብ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ነጺጉ ኣሎ።

ፍሉይ ልኡኽ መሓመድ ዓብዱሰላም ባብኪር ኣብ መግለጺኡ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝፍጸም ማእሰርቲ፡ ምጕስቓልን ሰፋሕቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታትን ቤት ጽሕፈቱ ብቐጻሊ ከም ዝቕበል ገሊጹ። እቲ ሱዳናዊ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘረባኡ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምምሕያሽ ዝዀነ ጻዕሪ ከም ዘይተዓዘበን እቲ ጉዳይ ኣተስፋዊ ከም ዘይኰነን ይገልጽ።

“ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝቐጸለ ነቲ ዝግበር ሰፋሕቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ንምትዕርራይ ፈተነ ዘይምግባር ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኰይኑ ጽኑዕ መርገጺ ፖሊሲ መንግስቲ ዝሓትት’ዩ። እንተዀነ ነዚ ዘተዓራሪን ዝገትእን ኣገባባት ስለ ዘየሎ፡ ግዳያት ሰብኣዊ ጥሕሰት ብዘይ ዝዀነ ፍትሒ ክሳቐዩ ይግደፉ። እቲ ሓደ መስርዕ ዝሓዘ ኣገባባት ሰብኣዊ ጥሕሰት ድማ ብዘይከልካሊ ይቕጽል ኣሎ።”

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ መግለጺኡ፡ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኤርትራውያን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም ከም ዝተቐንጠጠ ገሊጹ። ምርጫ ንኸየካይዱ፡ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ከይገብሩ፡ ኣብ ናጻ መራኸቢታት ሓሳባቶም ከየካፍሉ ምኽልካሎም ባቢከር ጠቒሱ። ንሱ ወሲኹ እቲ ገደብ-ኣልቦ ዝበሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገና ቀጻሊ ስለ ዝዀነ ኣብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓቢ ተራ ይጻወት ኣሎ ክብል ሓቢሩ።

ሚስተር ባብኪር ኣስዒቡ፡ ቤት ጽሕፈቱ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሎም ከም ዝተጣሕሰ ኤርትራውያን ዜጋታት ቀጻሊ ጥርዓን ከም ዝቕበል ኣብሪሁ። ካብ መንጎ’ቲ ቀጻሊ ዝቐርብ ጥርዓናት ድማ ናይ ምንቅስቓስ ምድራት፡ መሰረታዊ ናይ ምንባር ሰብኣዊ መሰላት ምሕራምን ከም ዝዀነ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመልኪቱ። ካብ መንጎ’ቶም ተፈጺሞም ተባሂሎም ናብቲ ፍሉይ ልኡኽ ዝመጽኡ ድማ ብኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ምዃኖም’ውን እቲ ኮሚሽነር ሓቢሩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀኔቫ ጠቕላሊ ቆንስል ኤርትራ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ንመግለጺ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ዝተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መሰረት ዘይብሉን’ዩ ኢሉ። ኣቶ ሃብቶም ኣስዒቡ፡ “ኤርትራ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ግዳይ ፖለቲካዊ ጸለመን ስም ምጽላምን’ያ ጸኒሓ፡” ክብል ገሊጹ። እቲ ጠቕላሊ ቆንስል ኣስዒቡ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር ድማ ካብ ቀንዲ መትከላት ኤርትራ’ዩ፡” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG