ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓፍቲ ዋና ፀሓፊ ሸውዓተ ግንቦት ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌን ኣሜሪካዊት ዜግነት ዝሓዛን ወ/ሮ ብዙኣየሁ ካብ ኢትዮዽያ ተጠሪዘን ከምዝወፃ ገሊፀን።

ንሰን ንክፍሊ ኣምሓርኛ ኣብ ዝሃበኦ ቃለ-ምልልስ፣ኣብ ክግሊ ኢምግረሽን ተፀዊዔን ብቅፅበት ካብ‘ታ ሃገር ንክወፃ ከምዝተገለፀለንን ንፅባሒቱ ከምዝወፃን ጠቂሰን።

ስለምንታይ ይመስለን ዝተጠረዛ ንዝብል ዝቀረበለን ሕቶ፣ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ መዓልታት ምስ ቤተ-ሰብ ተሓባቢረን ንዝተኣሰሩ ሓወን ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጠበቃ ንምቁፃር ላዕልን ታሕትን ይብላ ከምዝቀነያ‘ምበር ካልእ ዝፈፀመኦ ነገር ከምዘይነበረ ሓቢረን።

”ብመሰረት ሪኢቶ ኤምባሲ እንግሊዝ ጠበቃ ሓወን ንምቁፃር’የ እናሰራሕኩ ቀንየ።ሓወይ ዝርከበሉ ኩነታት፣ዘድልዮ ነገራት ንምምላእ‘የ ተንቀሳቂሰ። ንክጥረዝ ጠንቂ ዝኾነ ነገር ኣይፈፀምኩን፣እንትርፊ ምስ ሓወን ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ኢለን” ንሰን።

ንግንቦት ሸውዓተ ሓዊሱ ኣባል ዝኾነ ፖለቲካዊ ፓርቲ ኣባል ከምዘይኮና፣ ኣብ ፓስፖርተን 22 ጊዜ ተጠርዚኪ ኢኺ፣ከይትምለሲ ዝብል ማሕተም ከምዝዓረፈሉን ገሊፀን።

ከይትምለሲ ዝብል ማሕተም ኣብ ፓስፖርተይ ምዕራፉ ግን ስምዒተን ከምዝጎድኦን፣ሃለዋት ሓወን ክሳብ ዝፈልጣ ፃዕረይ ክፍትን‘የ ኢለን።

XS
SM
MD
LG