ኣመሪካ ኣብ ሊቢያ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ዝቆጻጸሮ ምራቓዊ ገማግም ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝፈፀመት ሚንስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ፔንታጎን ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ኣመሪካን ሊቢያን: ሰርጥ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ፅኑዕ ትሕዝቶ ዳዕሽ ደብዳብ ነፈርቲ ዝተፈፀመ ብሕቶ ብሕቡራት መንግስታት ዝድገፍ መንግስቲ ሊቢያ እዩ።
ነቲ ደብዳብ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ከምዝኣዘዙዎ ፔንታጎ ብተወሳኺ ገሊፁ’ሎ።
መንግስቲ ሊቢያ ወሳኒን ስትራተጂያውን ገስጋስ ንምግባር ክኽእል ምእንታን ደብዳብ ነፈርቲ ኣመሪካ ክቕፅል እዩ።
ዳዕሽ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ሰርጥ ትሕዝቶታቱ ክሰፍሕ ፀኒሑ’ሎ።