ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ደርፊ ትግርኛ ይደክም ኣሎ ይብል ድምጻዊ ተስፋይ መኮነን


TESFAY
TESFAY

መንእሰይ ድምጻዊ ተስፋይ መኮነን ኣብ ኢትዮጲያ ብፍላይ “ስኒ ኣጅቦ” እትብል ንህዝባዊ ዜማ ተመስሪቱ ዘሰናደኣ ሙዚቃ ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ’ሎ፡፡

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓማውቲ ኣብ ምዕባለ ደርፊ ትግርኛ ጽቡቕ ለውጢ ተራእዩ ምንባሩ የዘኻኽር፤ ኮይኑ ግና ኣብዚ ዓመት እዚ ብዘጨንቕ መልክዑ ኣይስማዕን¨ዘሎ ይብል፡፡ እቲ ህዝቢ ድዩ ካባና ዝደለዮ ስኢኑ ዘይሰምዕ ዘሎ ዋላስ ንሕና ዲና ንቲ ህዝቢ ብዝገልጽ ዘይንሰርሕ ዘለና ዝብል የጨንቐኒ እዩ ይብል፡፡

እዚ ፀገም እዚ ኣብ ምፍታሕ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ንከየንቲ ሞያዊ ስልጠናታት ብምሃብ ክሕግዝ ድምጻዊ ተስፋይ ፀዊዑ’ሎ፡፡

“ጽቡቕ ነገር እንተሰሪሕኻ ህዝቢ ብጽቡቕ ይቕበለካ እዩ፤ ነገር ግና እቲ ምቕባል ኦርጅናል ሲዲ ገዚኡ እንተዝቕበለካ እዩ እቲ ንሕና እውን ጽቡቕ ክንሰርሕ ንኽእል” ይብል ድምጻዊ ተስፋይ፡፡

ድምጻዊ ተስፋይ መኮነን ኣብዚ ሐዚ እዋን ግጥምን ዜማን ካብ ባዕሉን ካብ ዝተፈላለዩ ከየንቲ ብምውሳድ ብዝሐሸ ይሰርሕ መልክዑ ካልአይቲ ካሴቱ ይሰርሕ ምህላዉ “ውን ገሊፁ’ሎ፡፡

ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG