ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ክንዛረብ ኸለና ብዙሓት ዝጠራጠርዎን ሰባት ዝብልኹም ደአምበር ባዕልኹም በዒንትኹም አይረአኹሞን ብምባል ዘይምኑና ዝነበሩ ወገናት ሕጂ ባዕላቶም ካብቲ ዝተዘርገሓ ፈነወ ፀብፃብ ቴለቪዥን ግብፂ CNN'ን ካልኦት ዓለም-ለኸ መሓውራት ዜና ክርእይዎን ክዝርግሕዎን ኺኢሎም'ለዉ ክብሉ እቶም ነቲ ኩነታት ብቀረባ ዝከታተልዎ ዝነበሩን ዘለውን እቶም ግዱሳት ተዛሪቦም።

ምስ ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ሎሚ ቃለ-መጠይቅ ዘካየዱ አባ ሙሴ ዘርአይ ካብ ሮማ ጣልያን፡ ዶ/ር የዕብዮ ወልደማርያም ካብ ኒዮርክ ዩናይትድ ሴተይትስ ከምኡ'ውን ሜሮን እስቲፋኖስ ካብ ሽወደን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ነቲ ኩነታት ዓለም ክፈልጦን ጠጠው ንምባሉ ስጉምቲ ክወስድን ኽፅዕሩ ከምዝፀንሑን ገሊፆም።

እቲ ኩነታት ካብ ምሕታት ገንዘብ ዝሓለፈን ነቶም ናብ እስራእል ንምስጋር ብምሕላን ኣብ ኢዶም ዝወድቁ ሰባት እናቀተልካ ውሽጣዊ ክፍሊ አካላቶም ጠቢሕካ አብ ምሻጥ ከምዝበፅሑን እዚ'ዉን ንዝሓለፈ 3ተ 4ተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐን 'ዩ ኢሎም ከም ዝአምኑ'ውን ተዛሪቦም።

እቶም ነዚ ግፍፂ ዝፍፅሙ ናይ ግብፂ በደዊን ምኻኖምን እቲ ዝሓትዎ ገንዘብ ብፍላይ ንኤርትራውያን ዝለዓለ ምኻኑን እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኸአ ኤርትራውያን ንህይወት ሓደ ኤርትራዊ ክብ አቢሎም ስለ ዝርእይዎ ዝተሓተትዎ ከምዝኸፍሉ ካብ ባዕላቶም ኤርትራውያን ዝተነግረና'ዩ ክብሉ ምዝራቦም'ውን ገሊፆም።

ቀዳማይ ክፍሊ'ቲ ቃለ-መጠይቅ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ቀሪቡ ኔሩ ። ሎሚ ኸአ 2ይን ና መወዳእታን ክፍሊ ቀሪቡ'ሎ። ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ