ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣሜሪካ ዝተላዕለ ተቓውሞን ወጥሪን ሎሚ'ውን ቀጺሉ'ሎ


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሚኒያፖሊስ ሚኒሶታ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እንሃለወ ህይወቱ ዝሓለፈ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ስዒቡ ዝጀመረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ናብ ወራርን ምቅፃልን ንብረት ከምኡ እውን ናብ ህውከት ወሪዱ ኣሎ።ዋላ እውን ኣብ መብዛሕቲአን ዓበይቲ ከተማታት ስዓት እቶ እቶ እንተተኣወጀን ሓይልታት ፀጥታ እንተተዋፈሩን ኣብ ዓሌት (ሕብሪ ቆርበት) ዝተመስረተ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ደይቡ ይርከብ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ከምዚ ዝበለ ዘይምርግጋእ ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ካብ ከተማታት ሲያትል ክሳብ ዋሽንግተን ዲሲ ንብረት ብሓዊ ይነድድ ኣሎ።ኣብ ቀትሪ ብዙሓት ተቓውምኦም ብሰላማዊ ሰልፊ ይገልፁ፤ምስ መሰየ ድማ ዓመፅን ዕንወት ንብረትን ይወርድ ኣሎ።

ኣመሓደርቲ ናይ 12 ክፍለ ግዝኣታት ነቲ ህውከት ንምቁፅፃርን ስርዓት ንምስፋንን ወታሃደራት ሓለዋ ሃገር/National Guards/ ክዋፈር ኣዚዞም ኣለው።

ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እናሃለወ ዴረክ ሻውቪን ብዝተብሃለ ፖሊስ ከተማ ሚኒያፖሊስ ክሳዱ ብእግሪ ተረጊፁን ምስ መሬት ተጣቢቑን ህይወቱ ሓሊፉ።ዴሪክ ብሳልሳይ ደረጃ ገበን ቅትለት ተኸሲሱ ኣሎ።ሰልፈኛታት ግን ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ፖሊሳት ምምስራት ክሲ ሓዊሱ ተወሳኺ ይሓቱ ኣለው።

ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ሚኒያፖሊስ ‘’ንህዝበይ ለውጢ ክመፅእ ይደሊ እየ፤ተመሳሳሊ በደል ንነዊሕ ግዜ ክፍፀም ፀኒሑ፤ሎሚ እውን ብዘረባ ክሕለፍ የብሉን’’ በለ።

ብመሰረት ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ 22 ከተማታት ዩናይትድ ስቴትስ ኣስታት 1,700 ሰባት ተኣሲሮም፣ዓሰርተታት ትካላት ንግዲ ነዲዶም፣ ፖሊሳት ቆሲሎምን ብርክት ዝበሉ ሰልፈኛታት ድማ ተቐቲሎምን ኣለው።

ኣብ ሚኒያፖሊስ ዝተጀምረ ድምፂ ተቓውሞ ኣብ ዙሪያ ዓለም እውን ይቃላሕ ኣሎ።ኣብ ከተማ ለንደን ኣማእቲ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ብምውፃእ ኣብ ዘርኣዊ ዘይማዕርነት ድምፆም የስምዑ ምስ ዘለው ሓድነቶም ገሊፆም።

ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ከተማ ለደንደን ድማ ከምዚ በለ። ‘’ኣብ ልዕሊ ፀለምትን ፀዓዱ ዘይኮኑን ሰባት ንኣማእቲዓመታት መግሃስቲ ክፍፀምን ኣብ ጎደናታት ክቕተሉን ሪኢና ኢና፤እናገደደ እውን እዩ ዝኸይድ ዘሎ።ዝኣክል ሪኢና።ዘይሰምዑና እንተኾይኖም ድምፅና ዓው ኣቢልና ክንቕፅል ኢና፤ደው ኣይነብልን።ለውጢ ዘድልየሉ ግዜ ሎሚ እዩ’’ ኢሉ።

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝኾነት ኢላን ኦማር ‘’ኣብ ሃገርና ንሪኦ ዘለና ብሞት ሓደ ሰብ ጥራሕ ዝተልዓለ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰባት ስለዝፍፀም እዩ’’ ኢላ።

ድሕሪ ምውንጫፍ መንኮርኩር ዝሓለፈ ቀዳም ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ "እቶም ዓመፅቲ፣ዘረፍትን ስርዓት ኣልቦን ንክብሪ ጆርጅ ፍሎይድ እዮም ዘኽፍኡ ዘለው’’ ኢሎም። "እቲ ህውከትን ዕንወትን ዝምራሕ ዘሎ ንንፁሓን ብዘሸብሩ፣ስራሕ ዘጥፍኡ፣ ንግድታት ዝጎድኡን ህንፃታት ዘንድዱን ብዘለው ኣንቲፋን ካልኦት ፀጋማይ ክንፊ ኣኽረርቲ ጉጅለታትን እዩ’’ ኢሎም።

ብዙሓት ንተቓውሞ ሰልፍታት ምስ ምእካቦም ምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ የስግእ ኣሎ።ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝተታሓዙ ልዕሊ 1.8 ሚሊዮን ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 105,000 በፂሑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG