ኣብ ሰራልዮን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅን ምንሽርታት ጭቃን ልዕሊ 200 ሰባት ምሟቶም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
እዚ ሎሚ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሓደጋ ድሕሪ ንነዊሕ ሰዓታት ዝሃረመ ዝናብ ዘጋጠመ ምኳኑ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ይሕብሩ።
ሰራሕተኛ ቴክኒክ ኣብ ኮናኡት ሆስፒታል ዝኾነ ሲነህ ካምራ ንመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል ብሰንኪ ስእነት ቦታ ሬሳታት ኣብ መሬት ከምዝርኸቡ ገሊጹ።
ንሱ ብተወሳኺ እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ደቂሶም ብምንባሮም ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል የረድእ።
መደበር ቴሌቭዥን እታ ሃገር ንመደበኛ ፈነወ ኣቋሪጹ ሰባት ንፈተውትን ቤተሰብ ከናድዩን ምውታት ተሰኺሞም ክንቀሳቀሱ ከምዘርኣየ ተፈሊጡ’ሎ።
ሰበ ስልጣን መንግስቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ብምውፋር ነቲ ህይወት አድሕን ስርሒት ይሳተፉ ከምዘለው፡
ምክትል ፕረዝደንት እታ ሃገር ቪክሮት ፎር ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሕሉ ”ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ሞይቶም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ዘይሕጋዊያን ህንጻታት’ውን ኣብቲ ቦታ ኔሮም’ዮም” ኢሎም።