ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቓወምቲ ሰራልዮን ፕረዝደንት እታ ሃገር ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሞም


ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ሰራልዮን ዝተዓወቱ ጁለስ ማንዳ ባዮ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሞም።

ሃገራዊ ምርጫ ኮሚሽን'ታ ሃገር ተዓዋቲ ምዃኖም ምግላጹ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ጁለስ ማንዳ ባዮ ቃለ መሓላ ምፍጻሞም ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ መራሒ ገዛኢ ፓርቲ ዝኾኑ ሳሙራ ዊልሰን ንውጽኢት ምርጫ ከምዝቃለሱ ብቴሌቭዥን'ታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ኣብቲ ብቀዳም ዝተኻየደ ምርጫ ሰራልዮን ማዶ ባዩ 52 ሚእታዊት ድምጺ ክረኽቡ ከለው ቀዳማይ ሚንስትር'ታ ሃገር ነበር ካምራ ድማ 48 ሚእታዊት ምርካቦም ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ መጋቢት ክልቲኦም ተወዳደርቲ ነቲ ብሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዘድልይ 55 ሚ እታዊ ድምጺ ዘይምርኻቦም ይዝከር።

6.1 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎ ሃገራ ሰራልዮን ድሕሪ ኣብ 2004ዘጋጠመ 4,000 ሰባት ዝቀተለ ሕማም ኢቦላ ኣብ ኣዘቕቲ ድኽነት ትርከብ ሃገር ምዃና'ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG