ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባዮ ተዓዋቲ ምርጫ ሰራልዮን ኮይኖም


ፕረዚደንት ሰራልዮን ጁሊየስ ማዳ ባዮ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 56% ድምፂ ብምርካብ ንመወዳድርቶም ሳሙራ ካማራ ብምስዓር ምዕዋቶም ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ።

ወዲ 59-ዓመት ባዮ ንካልኣይ ናይ ስልጣን ዘመን ተወዳዲሮም እዮም ተዓዊቶም።

ኮሚሽነር ምርጫ ሰራልዮን መሓመድ ከነዊ ኮነህ "ባዮ ጁሊየስ ማዳ 56.1% ድምፂ ብምርካብ ፕረዚደንት ኮይኑ ምምራፁ የረጋግፅ ኣለኹ’’ ኢሉ ።

ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ብፀቢብ ዝተስዓሩ ሳሙራ ካማራ ኣብዚ ናይ ሕጂ ምርጫ 41% ድምፂ ረኺቦም ኣለው።

ካማራ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ"እቶም ውፅኢታት ተኣመንቲ ስለዘይኮኑ ብኮሚሽን ምርጫ ዝተኣወጀ ውፅኢት ይነፅጎ ኣለኹ’’ ኢሎም ።

ዓለምለኸ ተዓዘብትን ኣመሪካን እውን ኣብ ምቑፃር ድምፂ ግልፅነት ከምዘይነበረ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG