ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰራልዮን ቆጸራ ድምጺ ተጀሚሩ


ኣብ ሰራልዮን ዝተኻየደ ሓያል ውድድር ዝተራእየሉ ህዱእ ግን ኣብ ገለ ከባቢታት ምድንጓይ ምሃብ ድምጺ ዝነበሮን ምርጫ ተዛዚሙ ቆፀራ ድምፂ ከምዝተጀመረ ኮሚሽን ምርጫ'ታ ሃገር ገሊፁ።

ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ሲየራሊዮናዊያን ኣብ ፕረዚደንታዊ፣ፓርላመንታዊ ከባቢያውን ምርጫ ድምፆም ሂቦም ኣለው።

90% ምሃብ ድምፂ ክጅመር ኣብ ዝነበረሉ ውሽጢ ሓደ ስዓት ከምዝጀምረ ነቲ ምርጫ ዝከታተል ኣካል ገሊፁ ኣሎ።

ውጽኢት ምርጫ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ወግዓዊ ክኸውን ትፅቢት ይግበር።

ኔትዎርክ ህንፀት ሰላም ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ካልእ ተዓዛቢ ጉጅለ ኣብ ናይ ቀዳም ፍርቂ መዕልቲ ፀብፃቡ እቲ ምሃብ ድምፂ "ብተዛማዲ ሰላማዊ ነይሩ" ክብል ሓቢሩ'ሎ።

ምሃብ ድምፂ ምስተዓፀወ ግን ሰራሕተኛታት ምርጫ መጥቓዕቲ ከምዘጋጠሞም ቦርድ ምርጫ'ታ ሃገር ኣይሓብኣን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG