ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣቶ ስብሓት ነጋን ምስኦም ሓቢሮም ዝተኣሰሩን ዝርከብሉ ኩነታት ዝዳህሰሰ መደብ


ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ
ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ

አብ ትግራይ ዝዓስከረ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም፣ ሃገር ናይ ምፍራስ ውዲት ተሊሞም ተንቀሳቂሶምን ክሕደት ሃገር ፈጺሞምን ካብ ሞንጎ ተባሂሎም ብፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ተኸሲሶም ዝተኣሰሩ ገሊኦም ኣብ አዲሳበባ ይርከቡ።

እቶም በዝሖም 41 ዝኾኑ ፖለቲካዊን ወትሃደራዊን መራሕቲ ከምኡውን ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱን ኣባላት መሪሕነት ገዛኢ ፓርቲ ትግራይ ዝነበረ ህወሓት ጥርጡራት፣ ኣብ ‘ቀዳሚ መርመራ’ ዝባሃል መስርሕ ሙግት ቤት ፍርዲ እዮም ዝርከቡ።

እቶም ‘ጥርጡራት’ ምስ ጠበቃታቶምን ቤተሰቦምን ከምዝራኸቡ፣ ከም ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝኣምሰሉ ብዕድመ ዝደፍኡ፣ ከም ኣምባሳደር ኣባይ ወልዱ ዝበሉ ድማ ጸገም ጥዕና ዘለዎምን ዕለታዊ ክንክን ዘድልዮምን እሱራት ከምዝኾኑን ሓደ ካብ’ቶም ሸሞንተ ጠበቃታት እቶም እሱራት ዝኾነ ኣቶ ታደለ ገ/መድህን ንቪኦኤ ገሊጹ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:48 0:00


XS
SM
MD
LG