ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋንታ ስሑል ሽረ ናብ ፕሪምየር ሊግ ሓሊፋ


ጋንታ ስሑል ሽረ
ጋንታ ስሑል ሽረ

ኣብ ላዕላወይ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትሳተፍ ዝከረመት ጋንታ ስሑል ሽረ እንዳስላሰ ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ምሕላፋ ሎሚ ኣረጋጊጻ።

ጋንታ ሽረ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ስታድየም ሃዋሳ ምስ ጋንታ ጂማ ኣባ ቡና ተጋጢማ 2 ን 1 ተዓዊታ ኣላ። ብመሰረት’ዚ ውጽኢት’ዚ ጋንታ ሽረ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኣትያ ክትወዳደር’ያ።

ካብ ትግራይ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዝሳተፋ ክልተ ጋንታታት፣ ከተማ መቐለን ዩኒቨርስቲ ወልዋሎ ዓዲግራትን’ውን ከምዘለዋ ዝዝከር’ዩ። እዚ ማለት ትግራይ ሰለስተ ጋንታታት ኣብ ፕሪምየር ሊግ ክትውከል’ያ።

ጋንታ ስሑል ሽረ ናብ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ምሕላፋ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ህዝቢ ታሕጓሱ ይገልጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG