ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣሜሪካ ፀገም ጥዕና ዘለዎም ኣሜሪካዊያን ዝበልዑዎ ክቆፃፀሮዶ ኣለዎ?


መንግስቲ ኣሜሪካ ውሑስ ካብ 2001 ክሳብ 2018 ኣ/ፈ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣሜሪካዊያን ቆልዑ ካብ ዝምገቡዎ ካብ ሓሙሽተ ካሎሪ ሓደ ኣብ ኣባፅሕ ድማ ካብ ሸውዓተ እቲ ሓደ ንጥዕና ውሑስ ዘይኮነ ምግቢ ወይ ድማ Junk food እዩ።ብምዃኑ መንግስቲ ኣሜሪካ ፀገም ጥዕና ዘለዎም ኣሜሪካዊያን ዝበልዑዎ ነገር ክቆፃፀሮዶ ይግባእ?

ካብ ዓሰርተ ኣባፅሕ ኣሜሪካዊያን እቶም ትሽዓተ ብባዮሎጂካዊ ኣዘራርባ ወይ ብሞታበሊዝም ፀገም ጥዕና ኣለዎም።ብመሰረት ክኢላታት ናይዚ ምኽኒያት ብሰንኪ ሰባት ዝበልዕዎ ምግቢ እዩ።እዞም ክኢላታት መንግስቲ ኣሜሪካዊያን ዝበልዕዎ መግቢ ክቆፃፀር እዋኑ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ።

‘’እናፈለጥና ዝበዝሕ ምህርትና ሓደገኛ ገይርና ብምምራት ንተጠቀምቲ እንገድፈሉ ክፋል ቁጠባና እዩ’’ ይብል ዲን ናይ ኣመጋግባ ሳይንስን ፖሊሲን ቤት ትምህርቲ ታፍስ ፋይድማን ናይ ልቢ ሓኪምን ዶክተር ዳሪሽ ሞዛፋሪያን። ‘’ናይ መኪና ድሕነት፣ናይ ገዛ ድሕነት፣ናይ ፍርናሽ ድሕነት፣ናይ ሞባይል ስልኪ ድሕነት፣ኩሉ ማእዝን ቁጠባ ንተጠቀምቲ ክንገድፎ የብልናን።ንሰባት ዝጎድእ ነገር እንተሃሊዩ ክነወግዶ ኣለና’’ኢሉ ብምውሳኽ።

ሓካይም ናይ ሓደ ሰብ ጥዕና (metabolic health) ንምፍታሽ ኣብ ደም ውሽጢ ዘሎ መጠን ሽኮር፣ከለስትሮል፣ድፍኢት ደምን ካልኦት መዐቀንታትን ይጥቀሙ።ድኹም ናይ ሞታቦሊክ ጥዕና ፀገም ዘልዎም ሰባት ደረጃ ጅልተ ሕማም ሽኮር, ሕማም ልቢን ካልኦት ከበድቲ ፀገማት ጥዕናን ናይ ምምዕባል ሓደጋ ኣለዎም።

ቅድሚ ድራር ምብልዑ ንባዕሉ ኢንሱሊን መርፊእ ዝወግእ ሕሙም ደረጃ ክልተ ሕማም ሽኮር (Type 2 diabetes) ካብ ግለናርደን ሜሪላንድ ከምዚ ይብል።

‘’ጥዕናና ሕሉው ምዃኑ ከም ስሩዕ ኮይኑ ይስምዓና ክንሓምም ከለና ድማ ከምዘይልሙድ ነገር መሲሉ ይርኣየና።ዝኸውን ዘሎ ግን ምስ ምግቢ ብዝተኣሳሰረ ብፍላይ ኣብ ኣባፅሕ ካብ ዝህቡና ጥዕና ዘውርዱዎ ሕማማት ይበዝሕ’’ይብል እዚ ሕሙም ደረጃ ክልተ ሕማም ሽኮር። ‘’ምስ ኣመጋግባ ዝተኣሳሰረ ካብ ዓሰርተ ሰባት ትሽዓት ውሽጣዊ ጥዕንኦም ፀገም እንተሃሊዩዎም ዝበርዐነ ስርዓት ከምዘለና ትፈልጥ ኣለካ’’ይብል ወሲኹ።

ናይ ኣመሪካዊያን ጥዕንኡ ውሑስ ዘይኮነ ስርዓት ኣመጋግባ ሓጋዛይ ኣይኮነን።ን17 ዓመታት ዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ ጥዕንዑ ዘይሓለወ ምግቢ /junk food/ ብቀንድነት ዝለዓለ መጠን ሽኮር ጨውን ጮማን ዘለዎን ዝተዳለወ ምግቢ ኣብ ቆልዑ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ካሎሪ ኣብ ዓበይቲ ድማ ሓደ ካብ ሸውዓተ ካሎሪ ዝሓዘ እዩ።

እዞም ምግብታት እዚኦም ክተወግዶም እውን ኣይትኽእልን ምኽኒያቱ ንሰውነትና ዘድልዩ እዮም።

ዝግመተ ለውጢ ወይ Evolution ብዙሕ ግዲ የብሉን

‘’ብመሰረቱ ጥዕንኦም ሕሉው ዘይኮኑ ምግብታት ሽኮር, ጨውን,ጮማን ዝበዝሑዎም እዮም።እዚኦም ድማ ንምንባር ኣዚዮም ኣገደስቲን ሓይሊ ዝህቡን እዮም’’ ትብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ፍሎሪዳ ፕሮፌሰር ሳይንስ ምግቢን ኣመጋግባን ፕሮፌሰር ሊንዳ ባርቶሹክ።’’ሽኮር ኣዚዩ ኣገዳሲ ባእታ እዩ ምኽኒያቱ ኣእምሮ ሰባት ዝወስዶ እንኮ ነዳዲ ግሉኮስ እዩ።ነዚ ክንጥቀም ከምዘለና ተፈጥሮ ድልየት ኣለዎ።’’ትብል ብምውሳኽ።

እቲ ፀገም ነብስና ሽኮር ምብዝሑ ክንገረና ብዝኽእል ኣገባብ ኣይተሰርሐን።

‘’እናዓበናን ክንኸይድ ከለናን ቆልዓ ኣብ ምውላድ ክንበፅሕ ከለናን ሓቂ ንምዝራብ ተገማቲ ለውጢ ወይ ኢቮልሽን ኣብ ርእሴና ዝኸውን ነገር ኣይግደስን’’ትብል ባርትሮሹክ። ‘’ ኣብ ንእስነት ዕድሜና ኣዚዮም ኣገደስቲ ዝነበሩ እንወስዶም ነገራት ሓደገኛታት እናኾኑ ይመፁ።ካብ መጠን ንላዕሊ ይኸውን።ብዙሕ ጨው፣ኣዚዩ ብዙሕ ሽኮር፣ኣዚዩ ብዙሕ ጮማ ምንጪ ኩሉ ዓይነት ሕማም ይኸውን’’ትብል ብምውሳኽ።

ኣብ 1960ታት ኣሜሪካ ትኹረታ ጥምየት ኣብ ምጥፋእ ነይሩ።ሞዛፋሪያን ሓደ ካብ ክኢላታት ጥዕና ኣሜሪካ እዩ።ንሱ ኣብ ኣሜሪካዊያን ኣባፅሕ ዝርአ ዘሎ ፀገም ጥዕና ንምውጋድ ካብ ምውሓስ ምግቢ ናብ ምውሓስ ኣመጋግባ ምስግጋር የድሊ ይብል።

ምእዛዝ ጥዕንኡ ውሑስ ዝኾነ ግምቢ

ሞዛፋሪያን ፌደራል መንግስቲ ናይ ኣመጋግባ ምምሕያስ ክረጋግፅ ናይ መሪሕነት ታራ ክፃወት ይፅውዕ።ድሮ ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ሳፕሊመንታል ኒውትሪሽን ኣሲስታትን ፕሮግራም ዝተብሃለ ናይ ምግቢ ፕርፕግራማት ዝኣመሰሉ ሓገዝ ንዘድልዮም ስድራታት ፣ናይ ኣብያተ ትምህርቲ ምሳሕ ፣ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣሜሪካዊያን ናብ ገዛውቶምዝቐርብ ምግብን ንዝኣመሰሉን ፕሮግራማት ክሕግዝ ኣለዎ ይብል።

ኣብ ኣሜሪካዊያን ፀገም ጥዕና እናወሰኸ እንተኸደ እውን ኣሜሪካ ኣብ 2019 ኣ/ፈ 3.8 ትሪሊዮን ዶላር ንክንክን ጥዕና ኣውፂኣ ኣላ።ኣመጋግባን ክንክን ጥዕናን ተጣሚሮም ክኸውዱ እዋኑ ሎሚ እዩ ይብል ሞዛፋሪያን።

ሓዱሽ ናይ ኣመጋግባ ኣጀንዳ

ዋይት ሃውስ ብዛዕባ ምግቢ፣ኣመጋግባን ጥዕናን ኮንፈረንስ ንምወዳእታ ግዜ ደው ዘበሎ ኣብ 1969 ኣ/ፈ ነይሩ።እቲ ኮሚቴ ጥምየትን ናይ ድኻታት ትሑት ኣመጋግባን ከብቅዕ ኣመሪካን ፀለውቲ ኣሜሪካዊያን ክኢላታት ኣመጋግባን ጠመተ ክገብሩ ንፕሬዝዳንት ኒክሰን ምኽሪ ሂቦምዎም።

እቲ ንደቂ ኣንስትዮ፣ህፃውንቲን ቆልዑትን ዝወሃብ ፍሉይ ፕሮግራም ሓገዝ ኣመጋግባ ኣብ 1969 ኣ/ፈ እዮም ጀሚሮም።ናይ ኣሜሪካ ሰኔተር ኮሪ ቡከርን ኣባል ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካን ጀኢምስ ሚክጎቨርንን ካልኣይ ናይ ዋይት ሃውስ ናይ ምግብን ኣመጋግባን ኮንፈረንስ ክካይድ ይፅውዑ ካብዘለው ገሊኦም እዮም።

ክልቲኦም ባርቶሹክን ሞዛፋሪያንን ንምርምርን መፅናዕት ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ ክምደብ ይደልዩ።

ሞዛፋሪያን ኣብ ኣመጋግባ ኣስተምህሮ ወሳኒ ምዃኑ እምነት ኣለዎ።ናይ ኣሜሪካዊያን ናይ ኣመጋግባ ስርዓት ክፅገን ኣለዎ ይብል ብምውሳኽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG