ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ተዅሲ 4 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኣመሪካ ክፍለ-ግዝኣት ጆርጅያ ትማሊ ረቡዕ 4 መስከረም 2024 ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ተኵሲ ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶም ሰብ -መዚ ሓቢሮም።

ካብቶም ዝሞቱ ክልተ ተማሃሮ ክኾኑ ከለው ክልተ ድማ መማህራን’ቲ ቤት ትምህርቲ እዮም።

ካብ ከተማ ኣትላንታ ኣብ ናይ ሓደ ሰዓት ርሕቐት ትርከብ ኣፓላቸ ዝተባህለት ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ንዘጋጠመ መጥቃዕቲ ተኵሲ ወዲ 14 ዓመት ተማሃራይ ምፍጻሙ ተሓቢሩ’ሎ።

ዳይሬክተር ከይዲ ምርመራ ጆርጅያ ክሪስ ሆሲ ክልተ ኣኽበርቲ ፀጥታ እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ጥርጡር ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ከምዝረኸብዎን ቀልጢፉ ኢዱ ብምሃቡ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሉ ሓቢሮም። እቲ ጥርጡር ከም እኹል ሰብ (ዓብዪ) ብገበን ቅትለት ኽኽሰስ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG