ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሀይቲ -- ፖሊስ ኬንያ ብሕጽረት ቀረባት የማርሩ


ናብ ሀይቲ ዝተዋፈሩ ፖሊስ ኬንያ ሰነ 25, 2024.
ናብ ሀይቲ ዝተዋፈሩ ፖሊስ ኬንያ ሰነ 25, 2024.

ናብ ሀይቲ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ብዘጓነፎም ሕፅረት መሳርሕታት፣ ጉዳይ መሃያንን ሓይሊ ሰብን ዕጡቓት ሸፋቱ ከተማ ሀይቲ ንምግጣም ናይ ዓቕምን ሞራልን ዕንቅፋት ይፈጥረሎም ከምዘሎ ሮይተርስ ዘዘራረቦም ኣርባዕተ ኣባላት መኮንናት ፖሊስ ሓቢሮም። እቶም ኣባላት ፖሊስ ንሮይተርስ ከም ዝሓበሩዎ ክመጽኦም ትጽቢት ዝተገብሮ ኣጽዋር ኣብ ኢዶም ስለ ዘይበጽሐ በቲ ሕጽረታት ኣማሪሮም ኣለው። እንተዀነ እቶም ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ካብ ኣመሪካ ዝቐረበሎም መሳርሒታት መራኸቢን ድሩዓት መካይንን ተጠቒሞም ምስ መላፍንቶም ኣባላት ፖሊስ ሀይቲ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሮይተርስ ንሰብ-መዚ ኣመሪካ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ በቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝርአ ዘሎ ልፍንታዊ ስርሒት’ውን ናእዳኡ ገሊጹ ኣሎ።

ንጉዳይ መሃያ እቶም ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ከዘራርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ክሳብ ሰኑይ ግን ነፍሲ-ወከፎም 750 ዶላር ኣመሪካ ከም ዝተኸፍሎም ተሓቢሩ። ንዝርዝር ኣገባብ ኣከፋፍላኦም ግን እቲ ዜና ኣየብርሀን።

ኣባላት ሓይሊ ፖሊስ ኬንያ ኣብ ሀይቲ ንዘሎ ውሽጣዊ ዕርግር ንምህዳእ ካብ 25 ሓምለ ኣትሒዞም’ዮም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ጀሚሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG