ዋሽንግተን —
ኣብ ማያት ቀይሕ-ባሕሪ፡ ካብ ወደብ ምጽዋዕ ኣስታት 170 ኪሎሜተር ርሒቓ እትጓዓዝ ዝነበረት ንግዳዊት መርከብ፡ ንእሽቱይ ብረት ብዝሓዙ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም ብጀላቡ ገይሮም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ዛጊት መንነቶም ኣይተፈልጠን። እዚ ዜና ክሳብ ዝዳሎ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል’ውን ኣይተረኸበን።
እቲ መጥቃዕቲ ናብ ማያት የመን ኣብ ዘዳውብ ወገን’ውን ስለ ዝተፈጸመ፡ ሮይተርስ ምስቶም ኣብቲ ዞባ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ መራኽብ ዝፍጽሙ ዘለዉ ጉጅለ ሑቲ’ዩ ኣተኣሳሲሩዎ ዘሎ።
ሑቲ ኣብቲ መስመር ቀይሕ-ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍጽም ምጽናሑ ዝፍለጥ’ዩ።
ቅጥዒ