ዋሽንግተን —
ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ኣመሪካ ምስ ካልእ ሳይናይድ ዝጸዓነት ዋንነታ መስመር ባሕሪ ፖርቱጋል ዝዀነት መርከብ ጽዕነት ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ እንግሊዝ ተጋጭየን፡ ገና ድሕሪ 24 ሰዓታት’ውን እቲ ባርዕ ምሉእ ብምሉእ ኣይዓረፈን።
ስቴና ኢማኩለይት (Stena Immaculate) ዝተሰምየት መርከብ ነዳዲ ኣመሪካ ልዕሊ 220-ሽሕ በርሚል ነዳዲ ጽዒና ምንባራ ተፈሊጡ ኣሎ።
እታ “ሰሎጎ” ዝተሰምየት መርከብ ጽዕነት ፖርቱጋል ድማ 15 ኮንተይነር ሰዲዩም ሳይናይድ ጽዒና ነይራ።
ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ኣብ ክልተ መራኽብ ዝነበሩ 36 ኣባላት ድሒኖም ኣለዉ። እንተዀነ ገና ደሃዮም ዘይተረኽበ ሰራሕተኛታት እተን መራኽብ’ውን ኣለዉ።
ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓበይቲ መራኸብን ነፈርቲን ተዋፊረን ኣለዋ።
እተን መራኽብ ድሕሪ ምግጫወን ንምፍላየን እኳ እንተ ተኽኣለ፡ ተፈልየን ምቅጻል ግን ደው ኣየበላን።
ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ኪር ስታርመር ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ይምርመር ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እንተዀነ ዛጊት ብኻልእ ወገን ዝተፈጸመ ድርኺት ወይ መጥቃዕቲ ከም ዘይተራእየ ጠቒሱ።
እዚ ዜና ክሳብ ዝዳለወሉ ሰዓት እቲ ባርዕ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቍጽጽር ኣይወዓለን።
ቅጥዒ