ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ-እስራኤላውያን ዝልግስዎ ደም ስለዝተነፀገ ሽሞን ፔረዝ ኮኒኖምዎ


ፕኒና ታማሞ-ሻታ
ፕኒና ታማሞ-ሻታ
ቢሮ ኣገልግሎት ሕክምና እስራኤል፣ካብ ሓንቲ ኢትዮዽያ ዝሞበቅላ እስራኤላዊት ኣባል ፓርላማ፣ደም ኣይቅበልን ምባሉ ዘርኣዊነት ዝተንፀባረቆ ተግባር‘ዩ ክብሉ ናይ‘ታ ሃገር ፕረዚደንት ኮኒኖምዎ።

ካብ ሰለስተ ዓመት ዕድሚኣ ጀሚራ ኣብ እስራኤል ዝዓበየትን ሎሚ ኣባል ፓርላማ ዝኾነትን ፕኒና ታማሞ-ሻታ፣ተወለድቲ ኢትዮዽያ ካብ ዝኾኑ ይሁዳውያን ደም ኣይንቅበልን ምባል ዘሕፍርን ፀርፊን‘ዩ ክትብል ገሊፃቶ።

ንእስራኤል ወኪላ ኣብ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ማንዴላ ዝተሳተፈት እታ ኣባል ፓርላማ እስራኤል፣ደማ ብማእከል ኣገልግሎት ሕክምና እስራኤል ተቀባልነት የብሉን ከምዝተባሃለት ትሕብር።

ሓላፊ ሜገን ዴቪድ ኣዶም ኤልያት ሽናር፣ሓያል ዝርጋሐ ኤይድስ ካብ ዘለወን ሃገራት ካብ ዝመፁ ሰባት፣ደም ንከይንቅበል ሕጊ ምንስቴር ጥዕና ይኽልክለና‘ዩ ኢሎም‘ለው።

ፕረዚደንት ሽሞን ፔረዝ ግና፣እስራኤላዊ ዝኾነ ሰብ ብዘይኣፈላላይ ደም ንክልግስ ክፍቀደሉ ኣለዎ።ኣብ ሃገረ እስራኤል ደም ሓደ ካብ ደም ካልእ ሰብ ዝፍለ ኣይኮነን።ኩሎም ዜጋታት ማዕረ‘ዮም።ኢትዮዽያውያን ንእስራኤል ብርቂ‘ዮም ኢሎም።
XS
SM
MD
LG