ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ንስቪላውን ሰብኣውን መሰላት‘ውን ክተኽብር ኣለዋ - ሸይላ ኪቲሩት


UNHRC
UNHRC
ፍልይቲ መርማሪት ሕቡራት መንግስታት ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሸይላ ኪቲሩት ኤርትራ ንናይ ሚሊኒዮም ሸቶ ልምዓት ንምዕዋት ሰበስልጣን መንግስቲ ንሰርሖ ኣለና ዝበልዎ ከም ፅቡቕ’ዃ ዝርአ እንተኾነ ስቪላውን ፖለቲካዊን መሰላት እውን ኣዚዮም ኣገደስቲ ዛዕባታት እዮም ኢለን።

ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብኦ መግለፂ ፀብፃበን ናብ ሕቡራት መንግስታት ቅድሚ ምቕራበን ምስ ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ተራኺበን ነዊሕ ዘተ ከምዘካየዳን ከም ፍልይቲ ራፖርተር ታርአን ብዝበለፀ ንምግላፅ ዕድል ከምዝረኸባን ሓቢረን።

ኤርትራዊያን መናእሰይ ድልየቶም እንታይ እዩ ኣብ ዝብል እውን ዝተበትከ ነገር ኢሎ ኢለን ብውልቀን ከምዝኣምና ዝሓበራ ዘዘራርብኦም ኩሎም ንቡር መነባብሮ ክመርሑ፣ምስ ስድርኦም ክነብሩ፣ሙይኦም ክመርፁ፣ሕልሞም ከማልኡ ንኽብሮም ኣገዳሲ ምዃኑ እዮም ገሊፆምለይ ኢለን።

‘’ኣይ ኵናት ኣይ ሰላም’’ ዝብል ኣበሃህላ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝጥቀምዎ ኣበሃህላ ምዃኑ ብሕባር እንተኾነ ግን ኣብዚ እዋን ኣብ ኵናት ኣይኮኑን ብፍላይ ሎሚ ግጭት ዝብሃል የለን ምስ በላ ‘’ኮይኑ ግን ጉዳይ ዶብን ካልኦትን ክፍትሑ ድልየት ኣለዎም።እዚ ኩልሻሕ ዝሕዝዎ መርገፂ እዩ።ምኽንያቱ ንዕኦም እዚ ኣገዳሲ እዩ’’ኢለን።

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:54 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG