ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሸገር ዝፈረሱ መሳጊድ ብምቅዋም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ህይወት ምጥፍኡ ፖሊስ ኣፍሊጡ


ምምሕዳር ከተማ ሸገር መሳጊድ ኣፍሪሶም ብምባል ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ኣንዋር መሳጊድ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ስዒቡ ኣብ ከባቢ መርካቶ ተፈጢሩ ኣብ ዝተባህለ ዕግርግር ብዝተሓሓዝ ህይወት ክልተ ሰባት ምጥፍኡን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጉድኣት ምብጽሑን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ዓርቢ ኣማስይኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ጉድኣት ኣጋጢምዎም ካብ ዝተባህሉ 42 አባላት ፖሊስን ተሓጋገዝቲን ከምኡ'ውን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ከምዝርከብዎም መግለጺ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ይሕብር።

ፖሊስ ወሲኹ ነቲ ዕግርግር መሪሖም ወይ ብዋንነት ተሳታፊ ኔሮም ንዝበሎም 15 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታው'ውን ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ መግለጺ ፖሊስ ብተወሳኺ ኣብ ክልተ ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ መንገዲ ትራስፖርት ኣውቶቢሳት ጉድኣት ምግጣሙ ሓቢሩ'ሎ።

ፖሊስ ኣብ ከባቢ ኣንዋር መስጊድ ተቓውሞ ንዘስምዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ምትኳሱ ኣብቲ ቦታ ኔርና ዝበሉ ወሃብቲ ርእይቶ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ከባቢ ፒያሳ ኣብ ዝርከብ ኑር መስጊድ'ውን ድሕሪ ሳላት ተቓውሞ ከም ዝነበረ ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ሓቢሩ`ሎ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ክሳብ ሕጂ 19 መሳጊድ ከምዝፈረሳ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሼኽ አብዱልሃኪም ሁሴን በዳሶ ገሊጾም ኣለዉ።

ድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ካብ ምምሕዳር ከተማ ሽገር: ክልል ኦሮሚያ: ፖሊስ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ንግዚኡ ኣይሰለጠን: እንተኾነ ቅድሚ ሎሚ ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺታት ብዛዕባ መሳጊድ ብፍሉይ ኣይጥቀሱ`ምበር ዘይሕጋዊ ተባሂሎም ንዝካየድ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ስጉምትታት ከምዝቃወሙ ገሊጾም ኔሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG