ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ምስ ምፍራስ ኣባይቲ ዝተተሓሓዙ 100 ሺሕ ቅሬታታት ከምዝቐረብሉ ኣፍሊጡ


ዶ/ር እንዳለ ሃይሌ
ዶ/ር እንዳለ ሃይሌ

ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ (Institution of the Ombudsman) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሸገር ምስ ምፍራስ ኣባይቲ ዝተተሓሓዙ 100 ሺሕ ቅሬታታት ከምዝቐረብሉ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ትካል ዶ/ር እንዳለ ሃይሌ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለመሕትት ኣብ ዓመተ ባጀት 2014፣ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ 133 ሺሕ ቅሬታታት ከምዝቐረቡ ብምግላጽ፣ እቶም ዝበዝሑ ግን ካብ ከተማ ሸገር ዝመፁ ምኳኖም ሓቢሮም።

ዶ/ር እንዳለ ወሲኾም ምምሕዳር ከተማ ሸገር ነቶም ገዝኦም ዝፈረሶም ተመዛበልቲ ካሕሳ ዘይምሃቡን ጊዜያዊ መፅለሊ ዘይምድላውን ዘሻቕል እዩ ኢሎም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ምክትል ከንቲባ ከተማ ሸገር ኣቶ ጉግሳ ደጀኔ፣ "ካብታ ከተማ 100-ሽሕ ቅሬታ ብዛዕባ ምቕራቡ ኣይንፈልጥን፣ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ትካል ሓባሲ ንብዓት ምይይጥ ኣይገበርናን፣ እቲ መረዳእታ እውን ዝተፃረየ ኣይኮነን" ኢሎም።

ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ትካል ሓባሲ ንብዓት ተወካሊ ሓላፊ ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ ዝኾኑ ኣቶ ተሾመ ያሚ፣ ብዛዕባ እቶም ናይ ህዝቢ ቅሬታታት ምስ ሰበስልጣን እታ ከተማ ምይይጥ ከምዝተገበረ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለው። ምክትል ከንቲባ ኣቶ ጉግሳ ደጀኔ፣ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ንተመዛበልቲ ካሕሳ ኣይህብን ንዝብል ክሲ ብዝምልከት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣባይቲ ንዝሃነፁ ሰባት ካሕሳ ብምሃብ ዘይሕጋውነት ኣይነተባብዕን ኢሎም።

ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኩለን ከተማታት እታ ሃገር “ዘይሕጋዊ ህንፀት ኣባይቲ” ብዝብል ምኽንያት ንመንበሪ አባይቲ ምፍራስ ልሙድ ተግባር ይኸውን ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ እዚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ስለዝኾነ መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ዘላቒ ፍታሕ ክህቦ ኣተሓሳሲቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG