ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻንጋይ ግዱድ መርመራ ቫይረስኮሮና ከተተኣታትው ከላ ካልኦት ከተማታት ቻይና ድማ ዕጽዋ ቀጺለን ኣለዋ


ንሻንጋይ ሓዊሱ ዓበይቲ ከተማታት ቻይና ጅምላዊ መስርሕ መርመራ ኮቪድ-19 ክትግብራ፣ ወይካኣ፣ ኣብ ሙሉእ ዕጽዋ ክኣትዋ ክልተ ኣማራጺ ቀሪቡለን ኣሎ።

ቻይና ክሳብ ሰንበት ኣብ ዝነበራ መዓልታት፣ 390 መልከፍቲ ኮቪድ19 መዝጊባ ኣላ። ካብ’ታ ቅድሚኣ ዝነበረት ሰሙን ብሓምሳ ሰባት ከምዝወሰኸ እቲ ኣሃዛዊ ሓበሬታ የርኢ።

ካብ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ሙሉእ ዕጽዋ ትገላገል ዝነበረት ከተማ ሻንጋይ፣ ንሓሓሊፉ የጓንፋ ዘሎ ተርእዮ ኮቪድ19 ንምቁጽጻር ህዝባዊ መርመራ ክተታኣታትው እያ።

XS
SM
MD
LG