ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መምህርን ጸሓፊ ኢንተርኔትን ተንታኒ ፖለቲካን አቶ ስዩም ተሾመ ምእሳሮም መሳርሕቱ ሓቢሮም


መምህርን ጸሓፊ ኢንተርኔትን ተንታኒ ፖለቲካን አቶ ስዩም ተሾመ

ኣብ ኢትዮጵያ አምቦ ዩኒቨርሲቲ ወሊሶ ካምፓስ መምህርን ጸሓፊ ኢንተርኔትን ተንታኒ ፖለቲካን አቶ ስዩም ተሾመ ሎሚ ንጉሆ ካብቲ ዝነብረሉ ናይ ዩኒቨርሲቲ መንበሪኡ ብዕጡቓት ሓይልታት ጸጥታ ክውሰድ ሪእናዮ ክብሉ መሳርሕቱ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ብኻልእ ዜና ምስ ጉዳይ ሕቶ ምሕደራ ኮንሶ ብዝተተሓሓዘ ቅድሚ ሓደ ዓመትን መንፈቅን ዝተአስሩ ሰባት መብዛሕትኦም ሎሚ’ውን ተአሲሮም’ዮም ዝሳቕዩ ዘለው ነበርቲ’ቲ ከባቢ ገሊጾም።

ኣብ ኣምቦ ዩኒቨርሲቲ ወሊሶ ካምፓስ ጸሓፊ ዓምዲ ኢንተርነትን ተንታኒ ፖለቲካ ዝኾነ ስዩም ተሾመ ቅድሚ’ዚ ናይ ሎሚ ዘሎ አዋጅ ኣብ ዝነበረ አዋጅ ህጹጽ እዋን’ውን ንሰለስተ ኣዋርሕ ተአሲሩ ምፍትሑ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG