ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ፆታዊ መጥቓዕቲ ስለምንታይ ይውስኽ ኣሎ?(2ይ ክፋል)


discussion on sexual abuse
discussion on sexual abuse

ካብ ዕሸል ህፃውንቲ ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ይፍፀመን ዘሎ ፆታዊ ጥቕዓት እቲ ሕጊ ነዚ ይሕዘሉ ዘሎ ኣገባብን ዝውሃቦ ዘሎ ጠመትን ትሑት እዩ ይብላ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ ብዝምልከት ዘዘራረብናየን ደቂ ኣንስትዮ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ትግራይ፣ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብሓደ ኣባል ፀጥታ ተፈፂሙ ዝተባህለ ፆታዊ ዓመፅ ስዒቡ ዝተኻየደ ሰልፍን ናይዚ ናይ ኣካላት ሕጊ ክፍተት እዩ፣እቲ ናይ ሕጊ ክፍተት ኣብ መላእ ትግራይ ናይ ዘሎ ክፍተት ሕጊ መርኣያ እዩ ኢለን እዘን ዘዘራርብናየን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ።

ነዚ ሪኢቶ ዝሃባ ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ኤልሳ መሓሪ፣ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ሓኪምን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ብውልቃ እትንቀሳቐስ ዶ/ር ሄለን ቴድሮስን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ፍትሕን ብውልቃ እንትንቀሳቐስ ፅዴና ኣባዲን እየን።

ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG