ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ፆታዊ መጥቓዕቲ ስለምንታይ ይውስኽ ኣሎ?(3ይ ክፋል)


ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍፀም ዘሎ ፆታዊ መጥቓዕቲ እኹል ትኹረት ኣይረክብን ዘሎ ይብሉ ዘዘራርብናየን ደቂ ኣንስትዮ።ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓዊሱ ዓብይ ናይ መዘራረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዝርከብ ፆታዊ ጥቕዓት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እውን ማዕረ እቲ ዝወርድ ዘሎ መጥቓዕቲ ኣይሰርሕን ዘሎ ኢለን።

‘’እቲ ሰብ ነቲ ጥቕዓት ከም ንቡር ይወስዶ’ሎ።ሓደ ሰብ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስደፈራ ተመርዓዋ ተባሂሉ ኣብ እትነብረሉ ዓብዪ ከተማ መቐለኮ እየ ዝነብር ዘለኹ’’ ትብል ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ፍትሕን ብውልቃ እንትንቀሳቐስ ፅዴና ኣባዲ።

‘’ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ካብ ፖለቲካ ነፃ እያ ኢለ ኣይኣምንን’’ ዝበለት ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ትሕለቕ ዶ/ር ሄለን ቴድሮስ እታ ማሕበር ካብቲ ትሰርሖ ዘላ ፅቡቕ ነገራት ንላዕሊ ክትሰርሕ ኣለዋ፣ጥቕዓት ምስ በፅሐ ምሕጋዝ ዘይኮነስ እቲ መጥቓዕቲ ከይፍፀም ክስራሕ ኣለዎ ክትብል ገሊፃ።

ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ወ/ሮ ኤልሳ መሓሪ ብወገና ‘’እታ ማሕበር ክንድቲ ዝድለ ነፃነታ ሓሊያ ኣብ ምኻድ ዓብይ ክፍተት ነይሩ እዩ፣ተገምጊሙ ድማ እዩ’’ ምስ በለት ድሕሪ ደጊም ግን ድምፂ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ክትቕፅል ናይ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ድልየት እዩ ክትብል መሊሳ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG