ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ፆታዊ መጥቓዕቲ ስለምንታይ ይውስኽ ኣሎ?(1ይ ክፋል)


ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ እናተጋደደ ይኸይድ ብምህላው ዓብዪ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ትግራይ፣ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብሰንኪ ተፈፂሙ ዝተባህለ ፆታዊ ዓመፅ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ።

እቲ መጥቓዕቲ ብዝምልከት ብውልቂ ንዝንቀሳቐሳን ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ ደቂ ኣንስትዮን ንመጥቓዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝቃወሙን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብፍላይ ድማ ብማሕበራሚ መራኸቢ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከባን ይርከቡን።

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እውን እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ኣዚዩ ዘሰክፍ ብርኪ ምብፅሑ ብምግላፅ ድምፀን ንዘስምዓ ደቂ ኣንስትዮ ከም ከምዝድግፍ ገሊጹ'ሎ።

ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ ብዝምልከት ንሓላፊት ርክብ ህዝቢ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ኤልሳ መሓሪ፣ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ሓኪምን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ብውልቃ እትንቀሳቐስ ዶ/ር ሄለን ቴድሮስን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ፍትሕን ብውልቃ እንትንቀሳቐስ ፅዴና ኣባዲን ኣዘራሪብናየን ኣለና።

ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG