ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፆታዊ ጥቕዓት እንታይ የጠቓልል? ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ዓቐመን ክጥቀማን ከሐይላን ዘለው ፈተናታት!( 1ይ ኽፋል)


ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝወርድ ኣካላዊ፣ፆታዊ፣ናይ ቃልን ስነኣምሮኣውን ከምኡ እውን ብኢኮኖሚ ክትፅቀጥ ምግባር፣ዕድል ትምህርቲ ምኽላእ ኣብ ፆታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት ተባሂሎም ከምዝምደቡ ዶ/ር ሄለን ቴድሮስ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታ መቐል ሓኪም ትገልፅ።

"እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ፆታዊ ጥቕዓት ኢሉ ኣይኣምነሎምን’’ ዝበለት ዶ/ር ሄለን ንጓል ኣንስተይቲ ምልካፍ ከም መቕቓዕቲ ኣይረኣይን፡ ሰበይቲ ብዓል ገዝኣ ክወቕዓ ከሎ ከም ጥቕዓት ዘይርኢ ሕብረተሰብ እዩ ዘለና ትብል።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ጋዜጠኝነት ማቴዎስ ገብረህይወት ብወገኑ ፆታዊ ጥቕዓት ማሕበረሰባዊ ድጋፍ እውን ዘለዎ ስለዝመስል ብዝምልክት ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣተሓሳስባ ክስራሕ ኣለዎ ይብል።ንደቂ ኣንስትዮ ምውቃዕ ዘተባብዕ ምስላታት ከምዘሎ ማቴዎስ ይገልፅ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG