ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ጀርመን ብኻራ መጥቃዕቲ ንዝፈጸመ ሰብ ቀቲሉ


ሎሚ ዓርቢ፡ ማንህይም ኣብ እትብሃል ከተማ ጀርመን፡ ሓደ ዜጋ ብኻራ ገይሩ ኣብ ዕዳጋ እታ ከተማ ሓያሎ ሰባት ከም ዝሃረመ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ’ቶም በቲ መጥቃዕቲ ካራ ዝተሃርሙ ዜጋታት፡ ኣንጻር እስልምና ተሪር መርገጺ ዘለዎ ዜጋ ይርከቦም።

መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ መንነቱ ዛጊት ኣይተነጸረን። ፖሊስ ግን ተኲሱ ቀቲሉዎ ኣሎ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይት ናንሲ ፈይሰር፡ ሃራሚ ምስ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለታት ምትእስሳር ክህሉዎ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ይጻረ ከም ዘሎ ሓቢራ።

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። “ፈጸምቲ በደል ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ’ዮም፡” ክብል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ሓቢሩ።

ካብ መንጎ’ቶም ብኻራ ዝተሃርሙ ስቱርባዘርገር ዝተባህለ፡ ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ ተመዲቡ ዝነበረ ኣንጻር ጥሩፋት እስላም ዝግበር ሰልፊ መደረ ከስምዕ መደብ ተታሒዙዎ ዝነበረ ውልቀሰብ ይርከቦም። ስቱርባዘርገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ጀርመን ኣብ በበይኑ መድረኻት ኣንጻር እምነት እስልምና መደረ ከስምዕ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይጠቅስ። ንዕኡን ነቲ ሰልፊ ዝወደበ ፓክስ ኤሮፓ ዝተባህለ ምትእኽኻብን፡ ፖሊስ ባቫሪያ ጀርመን ኣንጻር እስልምና ብዘርእዩዎ ጎስጓስ ኣብ መዝገቡ ኣስፊሩዎም ዝጸንሑ’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG