ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬሳ ኣስታት 74 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተረኺቡ


ፋይል
ፋይል

ናይ ሊብያ ትካል ቀይሕ ወርሒ ሬሳ ኣስታት 74 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝረኸቡ ሎሚ ሶሉስ ኣፍሊጦም።

ወሃቢ ቃል ትካል ቀይሕ ወርሒ ሊብያ መሃመድ ኣል ሚስራቲ ትማሊ ሶኑይ ንግሆ ኣብ ገማግም ከተማ ሳዊያ ዝተሰባበረት ጀልባ ከምዝረኸቡ ብምሕባር ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ይሕብር።

ንሶም ብተወሳኺ ሬሳ እቶም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ዝርኸብ መንነቶም ንዘይተፈልጠ ሰባት ዝቕበርሉ መቓብር ከምዝተወስደ ሓቢሮም።

ሰበ ስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሳዊያ ከምዝደሓኑ ይገልጹ።

ናይ ኣውሮጳ ገማግም ባሕሪን ዶብ ኤጄንሲ ዝተባህለ ትካል ዳይሬክተር ፋብሪስ ለገሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኣውሮጳ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁጻር ኣብ ጉዕዞ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት 4,579 ምሟቶም ይገልጽ።

ብተወሳኺ ኣብ ሊብያ ዝርኸቡ ዕጡቓትን ኣባላት መንግስትን ካብቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይጥቐሙ ኣለው። ትካላት ተማጓቲ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኖም ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስቕያት፡ ጾታዊ ዓመጽን ግዱድ ስራሕን ከምዝፍጸም ጭብጢ ከምዘለዎም ይገልጹ።

ሊብያ ድሕሪ ኣብ 2011 ዓ.ም ዝተላዕለ ኹናት ሓድሕድን ምቕታል ናይ ነዊሕ እዋን መራሒኣ መሃመድ ጋዳፊ ኣብታ ሃገር ብሰፊሑ ስርዓት ኣልቦነት ከምዝረኣ ይ’ውን ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ኣስታት 630 ዝኾኑ ስደተኛታት ሎሚ ሶሉስ ካብ ማያት ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኑ ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት ብክልተ ጀላቡ ይጉዓዙ ከምዝነበሩ ዝሓበረ ሓለዋ ባሕሪ ታልያን ብዛዕባ ዝርዝር መንነት እቶም ስደተኛታት ሓበሬታ ኣይሓበን።

XS
SM
MD
LG