ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ኣብ ሻውዓይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ ሳልሳይ ኣትዩ


ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተቓንዐ፡ ኣስታት 170 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሻውዓይ መድረኽ ዙር ፈረንሳ (ቱር ዲ ፍራንስ) ምስ ጋንታ ኢንተርማሸ ዝወዳደር ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ደረጃ ኰይኑ ውድድሩ ብምዝዛም 17 ነጥብታት ሓፊሱ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ጀሰፕር ፊልፕሰን ክዕወት እንከሎ፡ ካልኣይ ድማ ማርክ ካቨኒሽ፡ ሳልሳይ ድማ ቢንያም ግርማይ ኣትዩ ኣሎ። ጀሰፕር ፊልፕሰን ሎሚ ንሳልሳይ እዋኑ'ዩ ናይ መድረኽ ዓወት ዝጓናጸፍ ዘሎ።

ናይ ሎሚ መድረኽ ንተቐዳደምቲ ቅጽበታዊ ውድድር መጠናዊ ብልጫ ዝነበሮ ብምዃኑ ቢንያም ግርማይ ዝበለጸ ውጽኢት ከመዝግብ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ነይሩ’ዩ። ተወዳደርቲ ክሳብ መወዳእታ ቅጽበታዊ ውድድር ተጸቓቒጦም ብምጽናሖም፡ ኣብ መመዳእታ ካብ ሓደጋ ድሒንካ ውጽኢት ንምምጻእ ከቢድ ጻዕሪ’ዩ ተራእዩ። ቢንያም ከኣ ኣብቲ መለለዪኡ ዝዀነ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኣብታ ብዙሓት ተቐዳደምቲ ሓቚፋ ዝነበረት ዓባይ ጕጅለ ፈንጢሱ ሳልሳይ ወጺኡ ኣሎ።

ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ቅድድም ቢንያም ኣብ ሰዓት ብገምጋም 70.5 ኪሎ ሜተር ይጓዓዝ ምንባሩ ወግዓዊ ምንጪ እቲ ውድድር ጠቒሱ። ሎሚ ቢንያም ዝተጓናጸፎ ዓወት፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም እዚ ውድድር፡ ብጸሊም ኣፍሪቃዊ ዝተመዝገበ ሓድሽ ክብረ-ወሰን'ዩ።

ክሳብ’ዚ ሕጂ በጺሑ ዘሎ መድረኽ ብድምሩ ዴንማርካዊ ዮናስ ቪንጎ ክመርሕ እንከሎ፡ ስሎቪያዊ ተደይ ፖጋቻር ካልኣይ ኣውስትራሊያዊ ጃይ ሂንደልይ ድማ ሳልሳይ ኰይኖም፡ ኣብዚ ውድድር፡ ብነጥቢ ይመርሑ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG