ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ወልድያ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓል ብዝተላዕለ ግጭት 7 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ከተማ ወልዲያ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓል ብዝተፈጥረ ግጭት ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዝሖም ዘይተፈልጠ ከምዝቖሰሉን ተገሊፁ።ናይቲ ክልል ፕረዚዳንት ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ኣብቲ ከባቢ ከምዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ።ዘጥፍኡ ተፈሊዮም ናብ ሕጊ ክቐርቡ ብህዝቢ ንዝቐረበ ሕቶ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ምቕባሎም'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ከተማ ወልዲያ ኣብ ፅባሕ በዓል ጥምቀት ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል ቃና ዘገሊላ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዝሖም ዘይተፈልጠ ከምዝቖሰሉን ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣረጋጊፆም ኣለው።ንሶም ብዛዕባ እቲ ግጭት ከምዚ ይብሉ።

“ኣብቲ ዕለት ኣብ መንጎ ታቦት የፋንው ዝነበሩ መንእሰያትን ሓይልታት ፀጥታን ዝተፈጥረ ግጭት እዩ እናሰፍሐ መፂኡ እዚ ኩሉ ጥፍኣት ዝወረደ።መንቀሊኡ እቲ ህዝቢ እውን ከምዝሓተቶ ብዝርዝር ተመርሚሩን ተፈሊዩን ንህዝቢ ከምዝገለፅን ተሓታትነት እውን ከምዝሰፍንን ብዝርዝር ንቕድሚት ክገልፅ እዩ።”

ዋና ፀሓፊ ተቓዋሚ ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣዳነ ጥላሁን ብወገኖም “ዝረኸብናዮ ሓበሬታ መንቀሊ እቲ ግጭት መንእሰያት ኢህወዴግ ዘውግዝ ደርፊ እናስምዑን ሓይልታት ፀጥታ ድማ ስለምንያት ነዚ ትደርፉ” ብዝብል ከምዝኾነ ይገልፁ።።

ኣብታ ከተማ ሎሚ ናይ ምርግጋእ ኩነታት ከምዝነበረ እንተተገልፀ እውን ሓሓሊፉ ግጭትን ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝበፅሑ መጥቓዕትታትን ከምዝነበሩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይገልፁ።

ኣቶ ኣዳነ ጥላሁን ኣብታ ከተማ ብርክት ዝበሉ ዋንነቶም ናይ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ህንፃታት ከምዝዓነው ትማሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ገሊፆም ኣለው።

ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ኣብ ከተማ ወልዲያ ንህዝቢ ብምእካብ ናይ ምርግጋእ ስራሓት ይሰርሑ ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG