ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሸውዓተ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ዕቑባ ከምዝሓተቱ ተነጊሩ


እቶም ተወዳደርቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት 11 ጥቅምቲ 2015 ኣ/ፈ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ዝገለጹ ክኾኑ ከለዉ ኣባላት ቀዳመይቲ ዲቪዥን ዞባ ደቡብ ምንባሮም'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን 10 ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ንውድድር ኣብ ዝገሹላ ኣብ ቦትስዋና ዕቑባ ምሕታቶም ይዝከር።ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ አይሰለጠን።

ድምጺ አሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ንሓደ ካብቶም ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ነበር ብስልኪ ረኪቡ አዘራሪብዎ አሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG